back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ፍርቂ ሚልዮን ኣሜርካውያን ብ ኮሮና ቫይረስ ሞይቶም

ልዕሊ ዓመት ኣቁጺሩ ዝርከብ፡ ንዓለም ናብ ሓደ ከቢድ መድረኽ ዘእተወ ምልባዕ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ ኣሜርካ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ፡ በቲ ቫይረስ ክመቱ ከምዝኸኣሉ ጸብጻባት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍልጦም።

እዚ ቑጽሪ እዚ ኣዝዩ ኣሰንባድን፡ ቅድሚ ሒጂ ብለበዳ ካብ ዝተራእዩ ሞት ዝኸፍአ ምዃኑ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ኣሜርካ፡ ኣብ 1918፡ ብሰንኪ ሰዓል ኣስታት 675,000 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ቻይና ድሕሪ ምልብዑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ናብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ተዘርጊሑ፡ ክሳብ ሒጂ ኣስታት 112 ሚልዮን ህዝቢ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ከሎ፡ ኣስታት 2.48 ሚሊዮን በቲ ቫይረስ ከምዝሞሩ ጽብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የፍልጥ።

ኣሜርካ፡ ህንዲ ፡ ብራዚልን ኣብ ቅድሚት በቲ ቫይረስ ብብዝሒ ተጠቂዐን ካብ ዘለዋ ሃገራት ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ሓያል ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ምዝንባላት ከምዝፈጠረ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles