ሮቡዕ, ግንቦት 7, 2025

ፍርቂ ሚልዮን ኣሜርካውያን ብ ኮሮና ቫይረስ ሞይቶም

ልዕሊ ዓመት ኣቁጺሩ ዝርከብ፡ ንዓለም ናብ ሓደ ከቢድ መድረኽ ዘእተወ ምልባዕ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ ኣሜርካ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ፡ በቲ ቫይረስ ክመቱ ከምዝኸኣሉ ጸብጻባት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍልጦም።

እዚ ቑጽሪ እዚ ኣዝዩ ኣሰንባድን፡ ቅድሚ ሒጂ ብለበዳ ካብ ዝተራእዩ ሞት ዝኸፍአ ምዃኑ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ኣሜርካ፡ ኣብ 1918፡ ብሰንኪ ሰዓል ኣስታት 675,000 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ቻይና ድሕሪ ምልብዑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ናብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ተዘርጊሑ፡ ክሳብ ሒጂ ኣስታት 112 ሚልዮን ህዝቢ በቲ ቫይረስ ክልከፍ ከሎ፡ ኣስታት 2.48 ሚሊዮን በቲ ቫይረስ ከምዝሞሩ ጽብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የፍልጥ።

ኣሜርካ፡ ህንዲ ፡ ብራዚልን ኣብ ቅድሚት በቲ ቫይረስ ብብዝሒ ተጠቂዐን ካብ ዘለዋ ሃገራት ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ሓያል ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ምዝንባላት ከምዝፈጠረ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
23,500SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ