ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 150 ስደተኛታት ካብ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ነጻ ወጺኦም

ኣብ ሊብያ ከተማ ኩፍራ፡ ኣብ መኽዘን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣስታት 150 ዜጋታት ኤርትራ፡ ሱዳንን፡ ሶማልያን ምዃኖም ዝተነግረ ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ነጻ ከምዝወጹ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ሓቢራ።

እዞም 15 ደቂ ኣንስትዮን 5 ቆልዑን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ሓደ ካብኣቶም ሃዲሙ  ንመንግስቲ ድሕሪ ምሕባሩ፡ እቶም ስደተኛታት ነጻ ንምውጽኦም ከምዝተሰርሐ ተፈሊጡ።

ነዞም ስደተኛታት ሒዞም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ብተወሳኺ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ሊብያ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኲነታት ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ስደተኛታት ብዙሕ መከራን፡ ግፍዕን ክሳብ መሸጣን ሞትን ክበጽሖም ምጽንሑ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ኣዝዩ ከቢድ ህይወት የሕልፉ ምህላዎም ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ