back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

“ቁጠባ ዕንጋሎ” ዝብል መልሲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቑጠዐ ከይፈጥር ተሰጊኡ 

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ቲ ብ ዕለት 17 ለካቲት 2021 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ጽልዋ ኮቪድ-19 ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ” ዝተሃሰየ ቁጠባ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን፡ ዝተሃሰየ ቁጠባ የለን” ዝብል መልሲ ንዝሃቦ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ክፈጥር ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ብተብተብ ጽባሕ እቲ ቃለ-መሕትት ዝተፈላለዩ ናይ ዋኒን ትካላት ንክኽፈቱ ከምዝተገብረ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። 

ኣብዚ ሰዓት ዝተፈላለዩ ዱኳናትን፡ ናይ መሸጣ ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ቤት ስእልን፡ ተኸፊተን ኣጎልጉሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ ሰቲት ካብ ኣስመራ ዝረኸበቶም ምንጭታት ሓቢሮም። 

ብተወሳኺ ኣጎልጉሎት ቤት መግቢ ዝህባ ትካላት ኣብ ቀረባ እዋን ክኽፈታየን፡ ዝብል ናይ ባዶ ሰለስተ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝጸንከረ ናይ ምንቅስቓስ ድሩትነት፡ ብ ሰንኪ ኮቪድ 19 ዘለዋ ክትከውን ከላ፡ ንዝሓለፈ ኣስታት 12 ኣዋርሕ ኩሉ ነገር ጠጠው ከምዝበለን፡ ዜጋታት ብዝተፈላለየ ሕጽረት ናይ ቀረብ ሃለኽቲ ንምርካብ ኣዝዩ ተሸጊሩ ከምዘሎ ይሕበር። 

ኣብ ርሑቅ ገጠራትን ከተማታትን ምንቅስቓስ ካብን ናብን ንዝኾነ ኣጎልጉሎት ንክረኽቡ ኣዝዮም ጸገም ኮይኑ ከምዘሎን፡ ብሰንኪ እዚ’ውን ኣብ ርሑቅ ከባቢታትን ከተማታትን ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ንምርካብ ኣዝዮም ከምዝሽገሩን ይፍለጥ። 

Noብተወሳኺ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብ ኮሮና ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ካብቲ ዝንበሮ ቁጽሪ ብኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎ፡ ማዕከናት ዜና እቲ መንግስቲ ክሕብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles