back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣምበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዓሪፉ 

ኣብ 1972 ናብ ቃልሲ ዝወፈረ፡ ከም ተጋዳላይ፡ መራሒ ክሳብ ኮምሽነር ክፍለሰራዊት ኮይኑ ዝመርሐን ኣምበሳድር ኣድሓኖም ትማሊ 19 የካቲት ኣብ ኣሜርካ ዓሪፉ። 

ኣብ ኣፈልባ እትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣምበሳድር ኣድሓኖም፡፡ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ከጽንዕ ጀሚሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ናብ ሰውራ ከምዝተሰለፈ ይሕበር። ኣብ 1987 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም ኣኽባር ሕጊ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰራየ፡ ከምኡ’ውን ኣምበሳድር ኣብ ሃገራት ስካንዲኒቭያን፡ ናይጀርያን ኮይኑ ብተወፋይነት ንሃገሩ ኣገልጊሉ። 

ኣብ 2001 ንለውጢ ኣብ ዝጥለብ ናይ ሰበስልጣን ምልዕዓል ኣብቲ ብ ጂ-15 ዝፍለጥ ናይ ፌርማ ደብዳቤ፡ ፌርምኡ ብምቅማጥ ንለውጢ ካብ ዝጠልቡ ሰብስልጣናት ምንባሩ ይዝከር። 

ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዴሞክራስን ንምስፋን፡ ከይተሓለለ ዝሰርሐ ኣምበሳድር ኣድሓኖም፡ ኣብ ስደት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ(EPM) ዝበሃል ውድብ ብምምስራት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሰፊሕ ኣበርክቶ ዝገበረ ውፉይ ኣቦን መራሕን ምንባሩ ብሰፊሑ ይግለጽ። 

ኣምበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ምኻኑ ይሕበር። 

በዚ ኣጋጣሚ ብሰንኪ ሞት ኣምበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ሰቲት ንመላእ ስድራቤቱ፡ ፈተውቱ፡ ናይ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ብጾቱን፡ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles