ሉድ ኣብ እትበሃል ከተማ ዝቅመጡ ትሽዓተ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ቤት ትምህርትታት እታ ከተማ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከይረኽቡ ከምዝተነጸጉ፡ ማእከል ምዕባለ ስደተኛታት ኣፍሪቃ (ARDC) ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ካብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል፡ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ዝኾነ ያኢር ራቪቮ፡ ን ትሽዓተ ቆልዑ፡ ካብ ሓተቲ ዕቁባ ዝተወልዱ፡ ኣብ ናይታ ከተማ ስርዓተ ትምህርቲ ከም ተማሃሮ ክቅበሎም ኣይክእለን እየ ኢሉ ከምዝነጸጎም ክሕብር ከሎ፡ እቲ ምኽንያት ” እዛ ከተማ ምስቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ናይ ብጀትን ቁጠባን ጸገማት እንድሕር ነዚኦም ተቀቢልናዮም፡ ዚያዳ ሰኸም ንከተማና ስለዝኾነ፡ ክንወድቅ ኢና ” ክብል ምሕባሩ እቲ ጽሑፍ ኣፍሊጡ። እቲ ኣማሓዳሪ ናይታ ከተማ ወሲኹ፡ እዚ ናይ ኣቁዋም ሕቶ እዩ ፡ መንግስቲ እስራኤል ነዞም ሸከም ዝኾኑ ቆልዑ ሓተቲ ዑቁባ ኣብ መሰርሕ ቛንቓን፡ ሓገዝ ኣብ ስነኣእምሮን ውህደት ምስ ሕብረተሰበን ዝግባእ ተራ ክጻወት ከምዝግብኦ ሓቢሩ።
ብዙሓት ተጣበቕቲ መሰላትን ወልቀሰባትን፡ ነዚ ውሳነን ስጉምትን ናይ ኣማሓዳሪ ሉድ ብትሪ ክቃውምዎ ከለዉ፡ “ነቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ቆልዑ እዩ። ምሃብ ቀዳምነት ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ መሰል ቆልዑ ከምኡ’ውን ነቲ ብቀጻሊ ዝዝረብ ፖለቲከኛታት ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዕቁባ ዘርእይዎ ዘይምድንጋጽን ሓልዮት ዘይምርኣይን ዘራጉድ እዩ” ክብሉ ገሊጾም። ብተወሳኺ ነዞም ትሽዓተ ቆልዑ፡ ናብቲ ናይታ ከተማ ሰርዓተ ትምህርቲ ምጽንባር ዝኾነ ዓይነት ተወሳኺ ናይ ባጀት ጸገም ወይ’ውን ጽዕንቶ ዘምጽእን ነታ ከተማ ናብ ድኽነት ዘምርሓን ኣይኮነን ክብሉ ነቲ ዝቐረበ ምኽንያት ዘይብቑዑን ምስምስን ምኻኑ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ዝተኻየደ ብዙሕ ጸቅጥን ተቓውሞን፡ ከምኡ’ውን ጋዜጣ ሃረጽ ነቲ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ዘለዎ፡ ጸገማት ብ ዝርዘር ከቅርብ፡ ብዝገብረቶ ጸቕጢ፡ ነቶም ትሽዓተ ቆልዑ ናብ ሰርዓተ ትምህርቲ ከተማ ሉድ ክጽንበሩ ከምዘፍቀደ ክፈልጥ ተኽኢሉ ኣሎ።
ኣብ ሉድ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ከምዝነበራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ከተማታት ናታንያ፡ ፐታኽቲግቫን ካልኦት ከተማታትን ተራእዩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ብዙሕ ተነጽሎን ጸገማትም ክወርዶም ምጽንሑ ብሰፊሑ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ።