back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኢማራት ዓረብ፡ ካብ ወደብ ዓሰብ ትወጽእ ምህላዋ ተፈሊጡ

ኢማራት ዓረብ ኣብ የመን ትገብሮ ዝነበረት ኲናት ክትስሕብ ብምውሳና፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚራ፡ ኣብ ዓሰብ ዝነበራ ወተሃደራዊ ማዓስከር ምስ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መሳራሒታትን ኣጽዋሩን ከተውጽኦ ከምዝጀመረት፡ ኣብዚ ወርሒ ለካቲት ዕለት 5 ካብ ዓሰብ ከምዝወጸትን፡ ነቲ ማዓስከር ፋሕ ከምዘበለቶን፡ ካብ ናይ ሳታላይት ሰእልታት ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ ክብል ኣሾሾይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ዝጀመረ ኩናት ሕድሕድ የመን፡ብ መሪሕነት ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ጥመረት ወተሃደራዊ ጣልቃ ብምእታው፡ ኢማራት ዓረብ፡ ሱዳንን ኤርትራ ሓዊስካ ክጽንበርኦ ከለዋ፡ ኢማራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 30 ዓመት ክራይ ወደብ ዓሰብ ንክትቀም ከምተሰማመዓት ብሰፊሑ ክሕበር ዝጸንሐ ምኻኑ ይፍለጥ። ካብ ወርሒ መስከረም ናይ 2015 ጀሚራ ከም መነሃርያ ናብ የመን እትገብሮ ንጥፈታት ክትጥቀመሉ ከምዝጀመረት ይፍለጥ፡፡ ኣብ ዓሰብ ሓድሽ ወደብ ብምህናጽን፡ ማዕርፎ ነፈርቲ ብምስፋሕ፡ ዝተፈላለዩ ንወተሃደራዊ ንጥፈታት ዘገልግሉ መሳለጥያታት ከምዝሃነጸት ይፍለጥ።

ኣመሪካ ንስዑዲ ዓረብን፡ ኢማራት ዓረብንን ኣብ ጉዳይ የመን ንዝገበርኦ ኲናት፡ ዝግበር ዝነበረ ሓገዝ ጠጠው ክተብሎ ድሕሪ ምውሳና፡ ምስኡ ተሳንዩ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ምምሕዳር ኣመሪካ ክሽየጠላ ተወሲኑ ዝነበረ ናይ ነፈርቲ ውግእ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ሙዃና ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles