back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ገለ ካብ  ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት እሰያስ ኣፈውርቂ

 ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ የካቲት 17/2021 ንመራኸቢ ብዙሃን ዉሽጢ ዓዲ ቃለ መሕተት ሂቡ፡ ካብቶም ንዝሓለፉ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝሃቦ ቃለ መሕተታት ብዙሕ ዝፍለ ነገር ኣይነብሮን፡ኣብቲ ንኸባቢ ክልተ ሰዓታት ብዛዕባ ዞባናን ዉሽጣዊ ጉዳያትን ዝሃቦ ቃለ መሕተት እቲ ዝበዝሐ ሰዓታት ብዛዕባ ዞባናን ዓለምን ክትንትን ኣሕሊፍዎ ይኹን እንበር ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃለ መሕተቱ ኣብ ካልእ እዋን ዘይለምድናዮም ገለ ሓሳባት ወስ ካብ ምባል ኣይተቖጠበን፡ ንሎሚ ካብ ትዕዝብተይ ሰሰልተ ነጥብታት ከካፍለኩም፡፡

 1.ስንባደ ብሃንደበትነት በርቃዊ መጥቃዕቲ ወያነ፡፡

ፕረዚደንት እሰያስ ኣብዘን ዝሓለፋ እዋናት ኣብ ዓድና ንዝፍጸሙ ከብድቲ ገበናት ንሓንሳብ ደቂሰ ነይረ ፡ ኣንሓሳብ ኣብ መገሻ ነይረ ዝብሉ ምስምሳት ከምዘቕርብ ልሙድ’ዩ፡ ብዛዕባ ብውያነ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ሃንደበት ከምዝኾኖን ከምዝሰንበደን ገሊጹ፡ ይኹን እንበር ኣብዚ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጉዳይና ብምባል ይከታተሎ ከም ዝነበረን ወያነ ንኹናት ትዳሎ ከምዝነበረትን ምስናይ ብዙሕ ትንታነኡ፡ኣብሪሁልና፡ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ወርሒ ካብ ምስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዉግእ ትግራይ ክሳብ ዝምታን ዓመጽን ደቅንስትዮ ዝተዘርዘሩ ክስታት ንሰራዊት ኤርትራ ምንም ክገልጽ ኣይከኣለን፡ካብ ዘረብኡ ኮነ ኣቃዉምኡ ዝተጋህደ ነገር እንተልዩ ብርግጽ በቲ ኣብ ዞባና ዘሎ ኩነታት ተስፋ ዝቖረጸ ይመስል፡፡ኣብዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ሕማም ኮሮና ከይዓገቶም ንቐርኒ ኣፍሪቃ ካብን ናብን ሃገራት እናተመላለሱ ድፕሎማስያዊ ስርሓት ዝሰርሑ ልኡኻቱን ባዕሉን ፡ዋጋ ኣልቦ ከምዝኾነ ካብ ዘረብኡ ምግንዛብ ይከኣል፡፡  እዛ ብስእነት ሰላምን ኩናትን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ‘ምትዕርራይ’ ኣላ ብምባል ይገልጻ፡ንኣቢ ኣሕመድ ከቃናጁን ክንእድን ይፈትን እንበር እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክሕግዞ ኣይከኣለን፡፡

2.ደብረጼን/መለስን፡፡ 

ኣብ ዘረባ እሰያስ ኣስማት ዉልቀ ሰባት ብፍላይ ድማ መራሕቲ ወያነ ጃንዳ ብምባል እንተዘይኮይኑ ክሮቅሕ ኣይስማዕን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃለ መጠየቑ ግና ኣብናይ ሑመራ ርክቦም ንደብረጼን ከምዝረኸቦን ብዛዕባቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ምድላዉ ንኹናት ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘየድልን ክገድፍዎ ከምዘለዎም ከምዝተዛረቦን ይገልጽ፡ ደብረጼን ብወገኑ ምስ እሰያስ ተራኺቡ ሰላም ንግበር ኣብዘበሎ ሰዓት ‘ኣይንኣምነኩምን’ ዝብል ምላሽ ካብ እሰያስ ከምዝረኸበ ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ተገሊጹ ነይሩ፡፡በዚ ኮይኑ በቲ ክልቲኦም ተዘራሪቦም ከምዝነበሩ በብወገኖም ዝሃብዎ መብርሂ ይሕብረና፡ካልእ ብተደጋጋሚ ስም መለስ ክጽዉዕ ክኢሉ፡ ዝነበሮም ምቅርራብን ዝምድናን ብዉሑዱ ንመጀመርያ እዋን ክበሃል ብዝክኣል ኣብሪሁ፡ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ‘ህዳሴ ግድብ’ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ብዙሕ ቁም ነገር ዘይብሉ ብ ፖለቲካዊ ጥሙሕነት ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ፡ ነዚ ሓሳብ ንምጥንኻር ይመስል ኣብቲ ናይ መጀመርያ ተስዓታት ኣብ ዉድብ ሓድነት ኣፍሪቃ  ኣኼባ ክካፈሉ ንግብጺ ኣብዝኸድሉ መለስ ቤላ ቤለዉ ወይ ወረ ሰሚዑ ብዛዕብኡ ክዛረብ ከምዝደሊ ንእሰያስ ከምዝሓበሮሞ እሰያስ ክዛረብ ከምዘየድዮ ይሕብሮ፡ እንተኾነ መለስ ማዕዳ እሰያስ ብዘይምስምዑ ተዋሪዱ እናንጸርጸረ ከምዝተመልሰ ነጊሮምና ፕረዚደንት ሃገርና፡፡ብዝኾነ እዞም ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ባህሪ ምምጽኦም ጽቡቕ’ዩ፡ ምናልባት ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ምስቶም መጋድልቶምን ናይ ሂወት ብጾቶምን ሞይቶምን ተኣሲሮምን ዘለዉ ዘዕለልዎን ዝተበሃሃልዎን ብመልክዕ መጽሓፍ ወይ ቃለ መሕተት የዕልሉና ይኾኑ፡ ዋላ’ዃ ምልክት እርጋንን ኑዛዜን እንተኾነ፡፡

3.ድያስፖራ ደገፍቲ ፕረዚደት/ ህዝቢ ኤርትራ፡፡

ኣብ ድያስፖራ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ከጸብቑ እንተዘይኮይኖም ንሓቂ ክሰምዑን ክርድኡን ኣይተዓደሉን ካብቲ ዘገርም ግና ናይቲ ‘ንሕና ንሱ’ እናበሉ ስእሉ ዝሰቕሉን ሽሙ ዝደግሙን ኣሕዋትና ንዘረባ መራሒኦም ሰሚዖም ክርድኡ ሽግር ዘለዎም ይመስሉ፡ብዛዕባታ ማዕቢላ እናበሉ ዝዛረቡላ ሃገር ብዙሕ ግዜ ሓቂ ነጊርዎም ኣይተረድእዎን ሎሚዉን ደጊሙ ሓድሽ ምዕባለ ከበስሮም ኣይኮነን ነታ ብግዚኡ ዝተመደረላን ዝተዘመረላን ሕርጊጎ ንሸሞንተ ዓመት ብምዘይተሓደሰትን ዝዓነወትን ሓቢርዎም፡ ብዛዕባ ዝተዓጸዋ ትካላት ኣየኖት ትካላት ብምባል ሓጪጩ፡ ነቶም ንትምህርቲ ዛኣኸለ ኦድሚኦምን ኣብ ትምህርቲ ዝነበሩን ህጻናትን መንእሰያትን እሞ ኸአ ብዛዕባ ትምህርቶም ዝሓልፍ ዘሎ ወርቃዊ ዕድሚኦምን ክዝከሩዉን ኣይከኣሉን፡ወዮ ደአ ምስሉዩነት ዝነገሰሉ እዋን በጺሕና እንበር እዞም ድያስፖራዉያን ኣምለኽቲ እሰያስ ንባዕላቶም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንደቆም ትምህርቶም ከይቦኽሩ ዝገብርዎ ጻዕርን ዘቕርብዎ መመኽነይታን ኣኣብ ዝነብርዎ ዓዲ ኩላትና እንርዮ ዘሎና ሓቂ’ዩ፡፡እዞም ዝጠቐስክዎም ጉጅለ ድሮዉን ነቲ ምትርጓምን ምምሕያሽን ዘየድልዮ ዘረባ መራሒኦም ከጸብቑን ክትርጉሙን ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

  ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ መንግስቲ ሓድሽ ነገር ይጽበ ኢለዉን ኣይኣምንን ስለ ዝኾነ ካብዚ ናይ ሎሚ ቃለ መሕተት ዝኮነ ትጽቢት ነይሩዎ ክትብል ኣይከኣልን እትምንታይሲ ኣብታ ሀገር ዝካየድ መዓልታዊ ንጥፈታት ዘይከምቲ ምስሉይ ድያስፖራ ይከታተሎን ይዕዘቦን ስለ ዘሎ፡፡ፕረዚደንት ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መልእኽቱ ንህዝቢ ኤርትራ ንዘይብሩህ መጻኢ ‘ዕጠቕ’ ብምባል ኣማሓላሊፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ጽናዕ፡ትባዕ፡መክትን ካልእን ዝብላ ቃላት ብምጥቃምን ወያነ ዝበሃል መፍርሕ ‘ጎስት’ ብምፍጣርን ጨፍሊቑ ዝሓዘ መንግስቲ፡ ኣብ ክንዲ ስለ ዉሽጢ ሃገር ቁጠባዉን ፖለቲካዉን ምዕባለታት ፍታሕ ዘምጽኣሉ ብዛዕባ ምድሓን ኢትዮጵያን፡ለምና ንሱዑዲ ንዓብላልነት ዞባና ገሊጹ፡፡’ጽምብላሊዕ’ሲ ‘ከምዝብሃል ህዝብኻ ከምደቂ ዛግራ ኣብ ዓለም በቲንካ፡ ንዝቃወሙኻ ኣብ ጸልማት ማሕዩር ኣንቢርካ ብዛዕባ ኣብ ዞባና ዘሎ ዘይምርግጋእ ምህዉታት ኣይ ናይ ጥዕናን፡፡ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ብመስዋእቲ ደቁ ንዝመጸት ሃገር ከምቲ ዝብህጎን ዝመረጾን ዓይነት ምሕደራ  ክመሓደር ናይ ግድን’ዩ፡፡        

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles