ሱዳን ብ ናህሪ ዋጋታት ኣብ ነዳድን ቀረብ ሃለኽትን ክቱር ምንቁልቋል፡ ምሕሳር ባጤራኣ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝቕባበ ኣብ ዋጋታት ሃለኽቲ 304 ሚኢታዊት(%) ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሕ ታሕሳስ 269% ከምዝነበረ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ሱዳን ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ኣዚዩ ዝላዓለ ዝቕባበ ኣጋጢምወን ዘሎ ሃገራት ምኻኑ ወሲኹ ገሊጹ ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ባጤራ ሱዳን ዋግኡ ኣዚዩ ብ ምንቁልቋል ኣብ ዋጋታት፡ ካብ ደገ ንዝኣትዉ ሃለኽቲ ኣዚዮም ክቡራት ከምዝኾኑን ኣብ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ተጽዕኖ ከምዝፈጠረሉን ይሕበር።
ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ብ መንጎኝነት ኣመሪካ፡ ምስ እስራኤል ዝምድና ከምዝጀምረትን ኣማሲዩ ከኣ ኣብ ምምሓያሽ ቁጠብኣ ክጠቅም ዝኽእል ስምምዓት ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝተፈራረመት ይዝከር።
ብዘይካዚ ቁጠባ ሱዳን ንምምሕያሽ ሱዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ኢማራት ዓረብን ናይ ረዲኤትን እኽልን ሃለኽቲ ሓገዝ ክገብራ ኡኳ እንተኽኣላ፡ ንሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ዓቢ ብድሆ ኮይኑዎ ከምዘሎ፡ ምስቲ ቦታ ቅርበት ዘለዎም ተንተንቲ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።