back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዳን ኮኔል፡ ‘ቃልሲ ‘ደለይቲ ፍትሒ’ ክዕወት እንተኾይኑ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተሳታፍነት ክህልዎ ኣለዎ’ 

ካብ 1970’ታት ኣትሒዙ ንኣስታት 50 ዓመታት ንጉዳይ ኤርትራ ዝተኸታተለን ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣማኢት ጋዜጣዊ ኣርቲክላት ዝጸሓፈን ከምኡ’ውን መጽሓፍቲ ዘሕተመን ፕሮፌሰር ዳን ኮኔል ‘ቃልሲ ‘ደለይቲ ፍትሒ’ ክዕወት እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ዜጋታት ብዝሰፍሐ ክሳተፍዎ ከምዝግባእገ ምስ ግሎባል ይኣክል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ። 

ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብምምልላስ ምስ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ድማ መሪሕነቱ ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራቱ ‘ዓርኪ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ ዝብል ስም ዝተጠመቐ ዳን ኮኔል፥ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኑም ንለውጢ ምንቅስቃሳት ዘካይዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለዉ ዜጋታት ተወዳዲቦም ክሰርሑ እንተዘይኪኢሎምን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጽኑዕ ምውድዳባት ክፍጠር እንተዘይተካኢሉን ነገራት ክቕየሩ ከምዘይሕሰብ ሓቢሩ። 

ዳን ኮኔል ብተወሳኺ መልእኽትታትካ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዜጋ ከተብጽሖ እንተዘይኪኢልካን ምስኡ እንተዘይሰሪሕካን ተላሊኻ ጥቡቕ ዝምድና እንተዘይመስሪትካን ‘ኣብ ደገ መንግስቲ መስሪትካ ናብ ሃገር ክትኣቱ እንተፈቲንካ ነቲ ህዝቢ ከም ብደገ ዝመጸ መግዛእቲ ኮይኑ ክስምዖ ከምዝኽእል ስክፍትኡ ገሊጹ። 

ዳን ኮኔል መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ምንቅስቓሳት ደለይቲ ፍትሒ ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦትን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከካይዱ ከምዝግባእ ሓቢሩ። ሃገራት ሃገራዊ ጥቕምታተን ዘቐድማ ብምኳነን ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ተገዲሰን ክከታተልኦን ኢደን ከእትዋሉን እንተኾይነን ኣብቲ ዝካየድ ዲፖማስያዊ ርክባት ዘለዎም ናይ መጻኢ ኣጀንዳ ከቕርቡ ከምዝግባእ እንተዘይኮይኑ ሃገራት ንሰብኣውነት ክብላ ጥራይ ኢደን ከእትዋ ከምዘይመርጻ ገሊጹ። 

ዳን ኮኔል ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ዓርኪ ኤርትራ ኮይኑ ቀጺሉ እዩ። እንተኾነ ኣብ 2001 ብጂ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ንመንግስቲ ኤርትራ ብግልጺ ክነቕፎ ጀሚሩ። 

ንሱ ምስ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ኮይኑ ሓያሎ ብዛዕባ ኤርትራ ሓያሎ መጽሓፍቲ ጽሒፉ፡ ገለ ካብ ዝጸሓፎ :- 

  • Against All Odds: A Chronicle of the Eritrean Revolution With a New Afterword on the Postwar Transiton (1997) RETHINKING REVOLUTION : New Strategies for Democracy and Social Justice by Dan Connell (2002)
  • Conversations with Eritrean Political Prisoners (2004)
  • Building a New Nation: Collected Articles on the Eritrean Revolution (2005)
  • Taking on the Superpowers: Collected Articles on the Eritrean Revolution (2005)
  • Historical Dictionary of Eritrea: Dan Connell, Tom Killion:  2nd Edition, (2010)

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles