ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ናይ’ታ ሃገር ኣስታት 400 ኪሎ ሜተር ርሕቃ ኣብ ትርከብ ከተማ፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ህጹጽ ኣኼባ የካይድ ኣሎ። እዚ መንግስቲ ሶማል ዝካይዶ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ፡ ነቲ ፍታሕ ስኢኑ ዘሎ ጉዳይ ምርጫ ናይ’ታ ሃገር መዓልቦ ንምግባርን ሕገ-መግስታዊ ቅልውላው ንምውጋድን ዝዓለም ከምዝኾነ መደበር ሓበሬታ ጀርመን ዲ ዳብሊው (DW) ሓቢራ።
ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝመጽእ ሶኒ ሸሞንተ ለካቲት ከምዘብቕዕ ዝሓበረት እታ ማዕከን ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ሶማል ብ 275 ኣባላት ፓርላማን 54 ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶን ከም ዝምረጽ ሓቢራ። ይኹን’ምበር ሶማሊያ ሓድሽ ፓርላማን ባይቶን ክሳብ ሕጂ ክትመርጽ ብዘይምኽኣላ፡ ኣብዚ እዋን ሓድሽ ፕረዚደንት ክምረጽ ከምዘይከኣል ኣፍሊጣ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ብዘሎ ዘይቕጥታዊ ስርዓተ ምርጫ፡ ብመራሕቲ ቀቢላታት ዝተሮቕሑ 27,775 ወከልቲ ንኣባላት ፓርላማ ይመርጹ፡ ፓርላማ ናይታ ሃገር ድማ ንኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ይመርጽ።
ምርጫ ናይ ፓርላማን ላዕለዋይ ፓይቶን ዝሓለፈ ዓመት 2020 ክካየድ እኳ ተመዲቡ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ሓውሲ ነጻ ዝኾና ፈደራላዊ ግዝኣታትን፡ ንዝርዝር ምርጫ ዝምልከት ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ምጉሩፋጥ እቲ ምርጫ ክልተ ግዜ ክናዋሕ ክኢሉ።
ነቲ መፍትሒ ተሳእንዎ ዝጸነሐ ጉዳይ ምርጫ መዓልቦ ንምፍጣር ሰለማውን ክፉት ዘተን ክግበር፡ ትጽቢት ከምዝገብር ሚንስተር ዜና ናይ’ታ ሃገር ‘ኳ እንተ ሓበረ፡ ናይ ስልጣን ግዜ ፕረዚደንት ናይ’ታ ሃገር ከይኣኸለ ምርጫ ክካየድ ከምዘይክእል ውን ይእመት። ኣብዚ ን ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዱሳማረብ ኣብ እትባሃል ዝካየድ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ፡ መንግስቲ ሶማል ናብ ስምምዕ ክበጽሕ እንተኽእሉ’ውን ብ ሾመንተ ለካቲት ምርጫ ክካየድ ከምዘይክእል ንጹር ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
ፓርላማ ሶማል ናይ ስልጣን ግዚኡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዘኽተመን ክሳብ ሕጂ ድማ እንታይ ዓይነት መስርሕ ምርጫ ክካየድ ንዝቢል ኣብ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐን፡ ስልጣን ናይዚ ሕጂ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፕርዝደንት ዓብዱላሂ ፋርማጆ ድማ ዝመጽእ ሰሙን ከምዘብቅዕን ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ነታ ሃገር ናብ ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላው ከይሸማ፡ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።