መይንማር (በርማ ናይ ቀደም መጸዊዕኣ)፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ። ኣብሰንበት ለይቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ንቡዙሓት ሃንደብት ምዃኑን፡ ዘይተጸብይዎ ከምዝኾነን አዩ ዝንገር። “ነዚ ዕልዋ መንግስቲ ዝገበርኩ፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ወርሒ ሕዳር ዝተገብረ ምርጫ ምጥፍፋኣት ነይርዎ’ዩ፡ ቅዋም እታ ሃገር ካኣ ናይ ሕጹጽ አዋን ኣዋጅ ክእውጅ ን ምክልካል ሃገር ዝተዋህበ ስለዝኮነ፡ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ክኢለ ኣለኩ” ክብል፡ ምክልኻል መይንማር ብ መንግዲ ተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፉ መልእኽቲ ይሕብር። ነዚ ዕልዋ መንግስቲ ብምስዓብ ድማ ምክልኻል መይንማር ድንጋገ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ። እዚ ድንጋገ ድማ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ምዃኑ ወሲኹ ይሕብር። ብዚ ሎሚ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ኣን ሳንሱቺን ፕረሲደንት እታ ሃገር እትርከቦም ቡዙሓት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተካየደ ምርጫ፡ ብ ኣን ሳንሱቺ ዝምራሕ ስለፊ ናሽናል ሊግ ንዲሞክራሲ ብ ዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ይግለጽ። ይኹን’ምበር ምክልኻል ናይ’ታ ሃገር ነቲ ውጽኢት ከምዝይቅበሎን ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ ብምሕባር ኢዩ ነቲ ምርጫ ክቃወም ጸኒሑ። ኮሚሽን ምርጫ መይንማር ግን ነቲ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝቀርብ ዝነበረ ክሲ ከምዝነጸጎ ይሕበር።
መይንማር ድሕሪ ነዊሕ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተኸተለቶ ናይ ለውጢ መስርሕ፡ ንነዊሕ እዋን ናይ ገዛ ሕይርቲ ዝነብረትን ተዓዋቲት ስልማት ኖብል ዝኾነትን ኣን ሳን ሱቺ ነጻ ከምዝተለቀቀትን ኣብ ፖለቲካ ሃገራ ከኣ እጃማ ከተብርክት ከምዝጸንሐት ይፍለጥ። ኣን ሳን ሱቺ ኣብ 2015 ብምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና ዝኮኑ ብ ሮሆይንግያ (Rohingya’s) ዝፍለጡ ሕብረተሰብ መይንማር ኣብ ዝተገብረ ጭፍጭፋ ስቅታ ብምራኣያን ብዓውታ ብዘይ ሙዂናናን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዙሕ ኲነና ኣስዒቡላ እዩ።