ነባራት ኣምበሳድራት ኣመርካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መጻኢ’ታ ሃገር ከምዘሻቀሎም ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1996 ክሳብ 2016 ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ምምሕዳራት ኣመሪካ፡ ከም ኣምባሳድር ኮይኖም ዘገልገሉ ኣርባዕተ ኣመሪካውያን ኣምበሳድራት፡ ብዛዕባ ርግኣት መጻኢ ኢትዮጵያ፡ ከምዘሰከፎም ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፍዎ ቁሉዕ ደብዳቤ ገሊጾም። እቶም ኣምበሳድራት ኣብ ደብዳቤኦም፡ ጸብጻብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመላኽቶ፡ ብ ሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት፡ 2.2 ሙሊዮን ተመዛበልትን 4.5 ሚሊዮን ዝኣኽሉ ድማ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልዪም ዜጋታት ምህላዎ ከምዘተሓሳስቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብ ተወሳኺ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ኩቱር ሻቁሎት ፈጢሩሎም ከምዘሎ ከፍልጡ ከለው፡ ህላወ ስራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከውድቆ ከምዝኽእል ሓቢሮም።
ቀጺሎም ኣብ መልእኽቶም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣምበሳድራት ኣብ ዝጸንሕሉ እዋናት፡ ምስሊ እታ ሃገር ምጽውዋር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን፡ ብሄርን ዘለዋ ሃገር ምዃና ከምዝፈልጥዋ፡ እንተኾነ ኣብ ሕጂ እዋን ብ ኣንጻሩ ኢትዮጵያ ናብ ከቢድ ሃዋሁ ተመርሕ ከምዘላን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ናይ ጽልኢ ዘረባታት ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣተሓሳሲቦም።
ብተወሳኺ ኣብ እዋን ምምህዳር ትራምፕ፡ ኣምበሳድር ኣመርካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፡ ማይክ ራይነር፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ብነጻ ኣካል ክጻረን፡ ነቲ ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምለከት ድማ፡ ዘድሊ ምጽራይ ክግበረሉ ከምዝግባእ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ኣምበሳደርነት ስርሑ ዛዚሙ፡ ኣብ ዝፋነወሉ ዝነበረ ግዜ ገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ኣህጉራውያን ውዱባትን፡ ሃገራት ዘለዎም ስክፍታ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።