ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሕጽረት ዝስተ ማይ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፡ ሰቲት ካብቲ ቦታ ዘዘራረብናዮም ዜጋታት ኣፍሊጦም። ኣብቲ መዓስከራት ብግብረሰናይ ትካላት ዝእለ ዝነበረ ኣግልግሎት ማይ ብሰንኪ እቲ ኣብ’ቲ ክልል ዘሎ ጽጥታዊ ጸገማት ተጎናዲቡ ከምዘሎን፡ በዚ ምኽንያት እቶም ሰደተኛታት ዝስተ ማይ ካብ ሩባ ከምዝጓሪቱን ሓቢሮም። እዚ ኩነታት ንጽርየት ናይቲ ማይ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንጥዕናኦም ኣስጋኢ ከምዝኾን፡ ምስቲ ገና ዘየዕረፈ ወተሃደራዊ ግርጭት ኣብቲ ከባቢ ንድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቆም እቶም ዘዘራረብናዮም ብተወሳኺ ገሊጾም።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተተሓሓዘ፡ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ትካል እኹል ቀረብ መድሃኒት ስለ ዘይብሉ፡ ሕማም ዝጋጥሞም ስደተኛታት ግቡእ ክንክን ክረኽቡ ከምዝጽገሙ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስን ቶኽሲን ከቢድ ብረትን ስለዘየቋረጸ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ስግኣት ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ብተመሳሳሊ ዜና፡ መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ዳርጋ ጥርሐን ከምዝተረፋን፡ ጸጥታዊ ሓደጋ ወሪድዎም፡ ዝኾነ መሰረታዊ ቀረብ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ስደተኛታት፡ ናብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ሓዲ ሓሩሽን ይኣትዉ ከምዘለዉ ገለ ስደተኛታት ድማ ናብ ባድመ ገጾም ከምዝተጓዕዙን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ዝተፈላለየ ማዕከናት ሓበሬታ፡ ኣብዘን መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ትካላት ኮነ ተባሂሉ መጥቃዕቲ ከበድቲ ኣጽዋር ከምዝተገብረ ጸብጺበን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈጸመ ግን ኣየቃልዖኦን። ኣብቲ ክልል መስመር ኢንተርኔትን ስልክን ኣገልግሎት ብዘይምጅማሩ፡ ርጉጽ ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።