ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም፡ ትሽዓተ ኤርትራውያን ኣብ ኮንተይነር ተሓቢኦም ከምዝተረኽቡ፡ ሰብ መዚ ከተማ ቲስፖርት ኣፍሊጦም። እዞም ካብ ዚብሩገ ዝተባህለት ከተማ ቤልጁዩም ከምዝመጹ ዝተነገረሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኾነ መጉዳእቲ ከምዘይበጽሖም፡ ጋዜጣ.ዘ.ዩኬ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለጠፎ ዜና ኣፍሊጡ።
ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝበዝሕ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ መካይንን፡ ኮንቴነራትን፡ ብምጥቃም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፍትኑ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምእታው ዝፍትኑ ብሰንኪ ሕጸርት ምስትንፋስን፡ ምዝላል ካብ መካይንን ህይወቶም ከምዝስእኑ ይፍለጥ።