back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ዉሸባ በይኑ ፍታሕ ድዩ?

ዝዛዘምናያ ዓመት ንማሕበረሰብ ዓለም በዳሂት ኮይና ዝሓለፈት ዓመት’ያ። ካብቶም ብዙሓት ሽግራት ኮቪድ-19 ብቐዳምነት ዝጥቀስዩ፡ ብርግጽ ብፖሊስ ዝተቐትለ ጸሊም ኣመሪካዊ ማይክል ፍሎይድን ንሱ ዘለዓዕሎ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኻየደ ናይ ተቓዉሞ ሰልፍን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ዝርዝራት ብዙሕዩ፡፡ ዓለም ማዕረ ክንደይ ጸቢባ ኣላ ሕማም ኮቪድ-19ን ቅልጣፈ ዝርግሕኡን ነቶም ዘይተረድኦም ክርድኦም ኣኽኢሉ ክኸዉን ተስፋ እገብር፡፡ ክልተሽሕን ዕስራን መራሕቲ ሃገራትን፡ ትካላትን ከምኡ’ዉን መራሕቲ ሃይማኖትን ማሕበራትን ዝፈተነት ዓመት’ያ፡፡ ገለ መራሕቲ ሃገራት ብብቖዓት ንህዝቦምን ሃገሮምን ክመርሑ ምኽኣሎም ጥዕናን ሂወት ህዝቦምን ከድሕኑ በቒዖም ክምጎሱን ክድነቑን ድማ ይግብኦም፡፡ በንጻሩ ሓያል ናይ ዓለምናን ብቑጠባ ኣብ ቀዳይ ደረጃ እትስራዕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብቶም ዘይብቑዕ መሪሕነት ዝተረኣየላ ኣብ ቀዳማይ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ክትከዉን ክኢላ፡፡ ሸለልትነትን ፖለቲካዊ ጸወታ ብሂወት ዜጋታትን መሪሕነት ትራምፕ ኣስታት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ሽሕ ሂወት ዜጋታት ክሓልፍ ክኢሉ፡፡

ልዒለ ዝገለጽክዎ ንመእተዊ ዝኣክል’ዩ፡ ጽሒፈን ፡ ተዛሪበን ፡ ሓሲበን ጸልየን ዘይደኸመላ ሃገር ኣላትኒ ሎሚ እዛ ሃገር 2020 ብዉሸባ ዝዛመቶ እንሆ ድማ ሎሚ ኣብ እንደገና ዉሸባን ሓደገኛ ዝርግሐ ኮሮናን ትርከብ፡፡

ሃገርና ኤርትራ ኣብቲ መጀመርያ ካብተን ዉሑድ ዝርግሐ ሕማም ኮቪድ 19 ዝተረኣየለን ሃገራት ምንባራ ፡ መንግስቲ ንምክልኻሉ ዝወሰዶ ስጉምትን ዝንኣድ ከምዝነበረ ርዱእ እመስለኒ፡፡ ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ንምክልኻል ተባሂሉ ሚልዮናት ዶላራት ገንዘብ ከምዘዋጽኡ ኩላትና እንዝክሮ’ዩ፡፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ስደተኛታት ዝተዋጽአ ቀሊል ኣይብሃልን። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ብጽቡቕ ክለዓል ዝከኣል ናይቲ ሕብረተሰብ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ እዩ፡፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር’ውን ህዝቢ ንሓድ-ሕዱ ብመግቢ ንዝተሸገሩ መግቢ ፡ ገለ ገለ ኣካረይቲ ክራይ ገዛ ምሕረት ብምግባር፡ ተኻረይቲ ንኣሽቱ ትካላት ዝዉንኑ ካብቶም ኣካረይቶም ምድንጋጽ ከምዝረኸቡ ይዝረብ፡፡ እዞም ልዒለ ዝጠቐስክዎም ኩሎም እቲ ህዝቢ ባዕሉ ናሓድሕዱ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን’ዩ፡፡

ኣብዚ ኩሉ ግደ መንግስቲ እንታይ ነይሩን ኣሎን?

መንግስቲ ኤርትራ ንብምልእታ ሃገር ምዉሻብ ጸገም ክኾኖ ከምዘይክእል ኩላትና እንርድኦ ብምንባርና እታ ቀዳመይቲ ዝወሰዳ ስጉምቲ ንሳ’ያ ነይራ፡፡ ሃገራት ንዉሸባ ክሳብ ባህርን ኣለባብዓን ናይቲ ሕማም ንምፍላጥ ዝተጠቕማሉ መስርሕ ነይሩ። ዝበዝሓ ሃገራት ንዉሸባ ከም ኣማራጺ ኣይተጠቐማሉን ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ቁጠበአን ንዉሸባ ክጻወሮ ስለ ዘይክል ካብን ናብን ሃገራት ዝካየድ በረራታትን ምድራዊ መጎዓዝያን ብዝተወሰነ መልክዑ ብምድስካል ነቲ ሕማም ክከላኸልኦ ፈቲነን፡፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝተመርመሩ ሓደ ክርከብ እንከሎ ብምንጽሩ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዕስራ ዝተመርመሩ ኣመሪካዉያን እቲ ሓደ በቲ ሕማም ተለኺፉ ይጸንሕ፡፡ ከምቲ ዝበሃል ኣብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ምርመራ ዘይምህላዉ ክኸዉን ይኽእል፡፡ እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝኸፍአ ብሕጂ ከም ዝኾነ ብዙሓት ኣብቲ ዓዉዲ ዘጽንዑ ሰባት ይገልጹ ኣለዉ፡ ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ሃገርና ብዝሕን ዝርግሐን ናይቲ ሕማም ብዕጽፍታት ከምዝወሰኸን ንመጀመርያ እዋን በቲ ሕማም ዝሞቱ ከምዝተረኽቡን ይግለጽ ኣሎ፡፡

ምስቲ ዘሎ ድሩት ሓበሬታ ብዛዕባ ሃገርና እንፈልጦ ሒደት’ዩ፡፡ በቲ ፈሊጥናዮ ዘሎና መሰረት ግና ህዝቢ ኤርትራ ብኣዝዩ ንኽትገልጾ ዘጸግም ሽግራት ይሓልፍ ከምዘሎ ክንርድኦ ዘሸግር ኣይመስለንን፡፡ቅድሚ ምዉሻብ እንተኾነዉን ሕጸረት ቀረባት መግብን ማይን ጥራይ ዘይኮነ እንተተረኸበ’ዉን ንመዐደጊኡ ዝኸዉን ሕጸረት ገንዘብ ኣብ ሂወት ዝበዝሐ ኤርትራዊ ንቡር ተርዮ’ዩ ነይሩ፡፡ “ነታ ዘላታ ተወሰኸታ” ከምዝበሃል ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ተላብዐ መንግስቲ ኤርትራ ብኹሉ ዶባት ጥራይ ዘይኮነ ካብን ናብን ከተማታት ኤርትራ በጀካ ሓደ ሓደ ናይ ጽዕነት መኪና ሙሉእ ብምሉእ ዓጸዎ፡፡ ኣብ ዉሽጢ ከተማ ክንቀሰቐስ ዝተረኽበ ብገንዘብ ምቕጻዕን ብበትሪ ምድብዳብን ዕለታዊ ተርእዮ ኮነ፡፡ መንግስቲ ንሱ ብዝዉንነን ማዕከናት ዜና ኣብ ካልእ ዓለም ብዝሒ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሓመሙን ዝሞቱን እናገለጸ ኣብ ሃገርና ግና ከምዝተቖጻጸርዎ ንህዝቢ ምሕባር መዓልታዊ ስርሑ ተገይሩ፡፡ እንተኾነ ምዉሻብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘምጽኦ ማሕበራዊ ፡ ቁጠባዊ ፡ ስነ-ኣእሙራዊ ሃስያ ሸለል ምባል ጥራይ ዘይኮነ ከምዘሎዉን ክእመን ኣይከኣለን፡፡ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ዉሸባ እንሆ ክሳብዛ ሰዓት እዚኣ ንልዕሊ ዓሰርተ ወርሒ ጸኒዑ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ዝርግሐ እቲ ሕማም ካብ ዝነበሮ ስለ ዝኸፍአ ሓድሽ ኣዋጅ ናይ ዉሸባ ኣጽዲቖም ይርከቡ፡፡ ዉሸባ በይኑ ፍታሕ ኣይኮነን ዉሸባ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ቁጠባዊ ዉሕስነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምስዝህሉዩ፡ ስለዝኾነ ብዉሑስ መንገዲ ህዝቢ ናብ ዕለታዊ ናብርኡ ክምለስን ካብ ቁጠባዊ ጸገም ዘስዕቦ ስነ-ኣእሙራዊ ነዉጺ ክድሕንን ግዜ ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዘወንዘፍና ንመስል፡ዝበዝሐ ዘረባናን ክትዕናን ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኑ ይርከብ እዚ ኣይምልከተናን ማለተይ ኣይኮነን፡ ስለዝኾነ ከም ህዝብን ሕብረተሰብን ርግእ ኢልካ ምሕሳብን ምልዛብን የድልየና ነዚ ክንገብር ትብዓትን ቆራጽነትን የድልየና፡፡

ሰናይ ቅነ

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles