back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተዓቕቡሉ መዓስከራት መጥቃዕቲ ተኻይዱ

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቑቦምሉ ዝነበሩ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ህንጻታት ዘዕነወ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ካብ ሳተላይት ዝተወስደ ስእልታት ፕላኔት ላብስ (Planet Labs inc) ኣመልኪቱ። እቲ ናይ ህንጻታት ምዕናው መስርሕ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ጥሪ ከምዝተኻየደ ብተወሻኪ ተገሊጹ።

እቲ ናይ ሳተላይት ስእልታት ከምዘመልክቶ ንስደተኛታት ኣገልግሎት ዝህቡ ህንጻታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ማእከል ጥዕና፡ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ካልኦት ህንጻታትን ኮነ ተባሂሉ ክዓኑ ከምዝተገብረ ኣባል ምርምር ዲኤክስ (DX open Network) ዝኮነ ኢሳቕ ባከር ገሊጹ።

እቲ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሸመልባን ዝተገብረ ምዕናውን ምቅጻልን ህንጻታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ስደተኛታት ዳግማይ ከይጥቀምሉ ብዘርኢ ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ኢሳቕ ባከር ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ 25 ሽሕ፡ ኣብ ሸመልባ ድማ 8 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝነበሩ እዩ ዝግለጽ።

ዲኤክስ (DX open Network)፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ድሕነት ደቂ ሰባት ምርምር ዘካይድ ዘይመኽሰባዊ፡ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ክኸውን እንከሎ፡ፕላኔት ላብስ (Planet Labs inc) ድማ ናይ ሳተላይ ስእሊ ዘቕርብ ትካል እዩ፡ ክልቲኦም እዞም ትካላት ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም ብመገዲ ሳተላይት ክከታትልዎ ዝጸንሑ ኣካላት እዮም።

ብመሰረት እቲ ናይ ሳተላይ ስእሊ፡ ኣብ 5ተን 8ንተን ጥሪ ኣብ ሸመልባ ህንጻ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኤንተር ኤይድ ቸርች (Inter-Aid Church) እትመሓደር ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ብቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኢትዮጵያ እትመሓደር ማእከል ጥዕና ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ኣሎ።

ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ድማ 14 ገዛውቲ ክዓኑ እንከሎ 55 ካልእ ጉድኣት በጺሕዎ ኣሎ። እዚ ዕንወት’ዚ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ስርሒት ብዓወት ተዛዚሙ ብምባል ብ28 ሕዳር ድሕሪ ምእዋጁ እዩ፡ ድሕሪ ወርሕን ሰሙንን ዝካየድ ዘሎ። እዚ ድማ ኲናት ተዛዚሙ እኳ እንተተባህለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝካየድ ዘሎ ዕንወት ግን ምቕጻሉ ከምዘረድእ ይግለጽ ኣሎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles