back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሱዳን፡ ንነዊሕ ዓመታት ብ ኢትዮጵያውን ዝተታሓዘ መሬታ ብምሉኡ ከምዘምለሰት ገሊጻ

ሱዳን፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ዝወሰደ ወተሃደራዊ ጎንጺ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብ ሓሙስ ነቲ ብ ሓረስቶት ኢትዮጵያውያን ሰፈርቲ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተታሒዙ ዝንበረ መሬት ብ ሙሉእ ከምዝመለሰቶ፡ ግዜያዊ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዑማር ጋማረልዲን ብ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብ ኣንጻር እዚ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ሱዳን ን መሬተይ ወራር ብምፍጻም ሱዳን ኣጥቂዓትኒ ብምባል ከምዝኸሰሰት ይፍለጥ።

ንነዊሕ እዋን ከሰሓሕብን፡ ጸጸኒሑ ናብ ጎንጺ ክመርሕን ዝጸንሐ፡ ልሙዕ መሬት ኣል ፋሽቃ፡ ሱዳን ነቲ ከባቢ ብ ሓይሊ ክትቆጻጸሮ ዝኸኣለት፡ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮዮጵያ “ሕጊ ምክባር” ዝብሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ንክልል ትግራይ ዘመሓደር ዝንበረ ህወሓት ኣብ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ጌረን ኡኳ ተነበራ፡ እቲ ርክብ ብዘይ ፍረ ከምዝተዛዘመ ይሕበር።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ሃገራት፡ እቲ ዞባ ናብ ዝኸፍአ ደማዊ ግጭት ከይሓልፍ ይስጋእ ምህላዉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles