ርእሰ ዓንቀጽ

ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ዝፈረሞ ውዕል ሰላም ከኽብር ኣለዎ

ካብ ዋሽንግተንን ለንደንን ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲ ንጹር እዩ፦ ልኡላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ክኽበር፣ ዝተፈረሙ ስምምዓት ክትግበሩ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ናብ ካልእ ኲናት ከይትጥሕል ምትሕሲሳብ። እዚ ሓድሽ ጠለብ ኣይኮነን፤ ኣብይ ኣሕመድ ብ2018 ምስ ኤርትራ ዝፈረሞም ስምምዓት ክኽብር ዝዘኻኽር እዩ።

ብ14 ጥቅምቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዘራሪቡ። ዋሽንግተን ወጥሪ ክሃድእ፣ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክኽበር፣ ኩሎም ወገናት ድማ ናብ ዘተ ክምለሱ ጸዊዓ። ብሪጣንያ እውን ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ዝጥሕስ ተግባራት ተቓዊማ።

እዚ መልእኽቲ ዝመጸሉ ግዜ ፍሉይ እዩ፤ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪ እናበኣሰ ከሎ፣ ኤርትራ ተሳትፎ ኣለዋ ዝብል ክስታት እናቐረበ ከሎ፣ ኢትዮጵያ ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ሃገራዊ ግዴታ እናገለጸትሉ ዘላ እዋን ኢዩ።

መንግስቲ ባዕሉ ዝፈረሞ ውዕል ከም ግዴታ እንተዘይተቐቢልዎ፣ እቲ ስምምዕ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?

ኣብ ኣስመራን ጅዳን ዝተኣትወ ቃል

ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ሓባራዊ ስምምዕ፣ ኲናት ከም ዘብቅዐን ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምትሕብባርን ከም ዝጅምርን ኣዊጁ። እቲ ስምምዕ ድማ ውሳነ ዶብ ክትግበር ኣረጋጊጹ፤ እዚ ውሳነ ኣብ ውዕል ኣልጀርስ 2000 ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ እዩ።

ብ16 መስከረም 2018 ኣብ ጅዳ ዝተፈረመ ስምምዕ ድማ ናጽነት፣ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን  ክኽበር፣ ኲናት ክበቅዕ፣ ኣብ ቁጠባን ጸጥታን ምትሕብባር ክህሉ ደንጊጉ። ሓባራዊ ፕሮጀክትታትን ንኣተገባብራ ስምምዕ ዝከታተል ኮሚቴን እውን ክቀወም።

እዞም ስምምዓት ስማዉያን ሰነዳት ዘይኮኑስ፣ ክልቲአን ሃገራት ዝተቐበላኦም ሕጋዊ ግዴታታት እዮም።

ኣፍደገ ባሕሪ ልኡላውነት ንምጥሓስ መሰል ኣይህብን

ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መእተዊ ንምርካብ ዘለዋ ቁጠባዊ ድሌት ርትዓዊ እዩ። እንተኾነ፣ ንግዳዊ መእተዊ ባሕሪ ምርካብን ኣብ ገማግም ካልእ ሃገር ልኡላዊ መሰል ምጥላብን ክልተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እዮም።

ስምምዓት 2018 ንንግዲ፣ ትሕተ ቅርጺ፣ ወፍሪን ምትሕብባርን መሰረት ኣንቢሮም ነይሮም። ካብኣቶም ግን ንኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኤርትራ ልኡላዊ መሰል ዝህብ የለን።

ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ክፋል ልኡላዊ መሬታ እዩ፤ ሕጋዊ ኩነታቱ ብሓደ ወገን ክቕየር ኣይክእልን።

ስለዚ፣ ዞባዊ ምትሕብባር ኣብ ምኽባር ልኡላውነትን ዶባትን ጥራይ ኢዩ  ክዕወት ዝኽእል። ኣብ ትሕቲ ስግኣት ግዝኣታዊ ምፍርራሕ ዘላቒ ቁጠባዊ ምሕዝነት ክህነጽ ኣይክእልን።

ክስታት መንገዲ ኲናት ክኾኑ የብሎምን

ክስታት ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብናጻን ዘተኣማምንን መንገዲ ክምርመሩ ኣለዎም። ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ግን ንኻልእ ኲናት መመኽነይታ ክኾኑ የብሎምን። ኩሎም ወገናት ብሓደ መለክዒ መርትዖን ተሓታትነትን ክምዘኑ ይግባእ።

ልኡላውነት ኢትዮጵያ ክኽበር ኣለዎ፣ ከምቲ ልኡላውነት ኤርትራ ክኽበር ዝግባእ። ዝኾነት ሃገር ስክፍታ ጸጥታ ኣለዋ ብምባል ካብ ዶባታ ወጻኢ ሓይሊ ክትጥቀም መሰል የብላን። ውሽጣዊ ግጭታት ኢትዮጵያ እውን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝስፋሕፋሕ ኲናት መመኽነይታ ክኾኑ የብሎምን።

ድሕነት ኤርትራ ኣብ መብጽዓታት ጥራይ ክምርኮስ የብሉን

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናብ ስምምዓት 2018 ምምላሱ ኣወንታዊ እዩ። እንተኾነ፣ ኤርትራ ድሕነታ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መግለጺታት ጥራይ ክትሃንጽ ኣይትኽእልን። ናይ ምክልኻል ድሉውነት ክትዕቅብ፣ ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ኢትዮጵያ ዘየድሊ ተሳትፎ ክትውግድ፣ ከምኡውን ብግሉጽ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ልኡላውነታ ክትከላኸል ይግባእ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድማ ስምምዓት ኣብ ምዝኽኻር ጥራይ ከይተወሰነ፣ ንምትግባሮም ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪን ወጥሪ ንምህዳእ ተግባራዊ ስጉምትን ክወስድ ኣለዎ።

ምርጫ ኣብ ኢድ ኣዲስ ኣበባ እዩ

ስምምዓት ኣስመራን ጅዳን ንልኡላውነት ነንሕድሕድ ምኽባር፣ ኲናት ምብቃዕን ሓባራዊ ረብሓታት ብምትሕብባር ምምዕባልን ዝተመርኮሱ እዮም። ካብዞም ስምምዓት ንኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ልኡላዊ መሰል ዝህብ ዓንቀጽ የለን።

ኣብዚ መርገጺ  ሰቲት ሚድያ ንጹር እዩ፦ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ  ሓድነትን ኤርትራ ክኽበር፣ ስምምዓት 2018 ክትግበሩ፣ ፍልልያት ድማ ብዘተ እምበር ብምፍርራሕ ወይ ብሓይሊ ከይፍትሑ የብሎምን።

ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ብልጽግና ግጭት ምስ ኤርትራ ኣይጠልብን፤ ዘድልያ ዘሎ ርጉእ ርክባት፣ ሰላማዊ ንግዲን ነቲ ዝተኣትወ ቃል ንምኽባር ፖለቲካዊ ድሌትን እዩ።

ኣብቶም ስምምዓት ዝተነብሩ ፌርማታት ገና ብቑዓት እዮም። ሕጂ ዘድሊ ዘሎ፣ ነቲ ዝተኣትወ ቃል ብተግባር ምኽባር ጥራይ እዩ።

S

SETIT

Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

Join the discussion

Keep comments factual, respectful and relevant. Required fields are marked *.