ተጻብኦ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ሕጂ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝጀመረ ዘይኮነስ ነጻ ኤርትራ ከይተመስረተት እንከላ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሊግ ኦፍ ነሽንስ ምስ ቆመ ካብ 1946 ንልዕሊ 80 ዓመት ዝኸደ እዩ። ስለምንታይ ኣሜሪካ ቅድሚ ምውላድ ነጻ ሃገር ኤርትራ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ንምውላድ ነጻ ሃገር ኤርትራ ዝተቃወመት?
እቲ ቀዳማይ ርዱእ ምኽንያት ኢትዮጵያ ኣባል ሊግ ኦፍ ነሽንስ ምስ ኮነት ንኤርትራ ኣብ ትሕቲኣ ንምቕራን ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ሰፊሕ ጎስጋስ ስለዝገበረትሉ እዩ። ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣሜሪካ ረብሓኣ ምስ ረብሓ ጥምረት እዘን ክልተ ሃገራት ብምጥቕላል ቁጠባውን ጆ-ፖለቲካዊ ስትራተጂካዊ ረብሓታታ ኣጠቃሊላ ከተተግብር ስለዝደለየት እዩ። ኣሜሪካ ነዚ ምርጫ መውሰዲኣ ኣብ ኤርትራ ንቁሕን ንጡፍን ናይ ሰረሕተኛታትን ገስጋሲ ምንቅስቃሳት ይበጋገስ ስለዝነበረን ኣብ’ቲ ባይቶ ናይ ሊግ ኦፍ ነሽንስ ናይተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበራ ሃገራት ናይ መጻኢ ዕድለን ንምውሳን ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት መንግስቲ ጥልያንን ካልኦትን ኤርትራ ንውሱን ግዜ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ክትቅጽል ዝብል ሓሳብ የቅርባ ስለዝነበራ፡ሶቭየት ሕብረት ድማ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ናይ ጥልያን ኮሚንስት ፓርቲ ክዕወት ትጽቢት ትገብር ስለዝነበረት ብመንገዲ እዚ ፓርቲ ወይ ድማ ባዕላ ሶቭየት ሕብረት ንኤርትራ ከተማሓድራ ሓሳባት ተቅርብ ስለዝነበረት፡ ኣሜሪካ ኤርትራ ኣብ ጽልዋ ሶቭየት ሕብረት ከይትእቱ ብምስጋእ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣላጊብካ ረብሓታቶም ንምሕላው ዝዓለመ ነይሩ።ኢትዮጵያ ድማ ምስቲ ብዙሒ ህዝባን ገፊሕ መሬታን ንናይ ኣሜሪካ ረብሓ ንምግልጋል ድልውቲ ስለዝነበረት ምርጽቲ ናይ ኣሜሪካ ኮይና።
ከም’ቲ ኩሉ ግዜ ዝደጋገም ናይ ኣሜሪካ ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ ጆን ፎርስተር ዝበሎ “ኤርትራ ብዓይኒ ሓቂ ነጻ ክትከውን ዝግብኣ ዝነበረት ሃገር እያ ግን ምእንቲ ረብሓ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን መሪጺና” ዝበሎ እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ዘለኹ ምኽንያታት እዩ ዘንጸባርቕ።
ኣሜርካ ነቲ ቀንዲ ኣገልጋሊኣ ዝነበረ ንስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ጥራሕ ኣይኮነትን ሓጊዛ። ዋላ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ኣተሓሳስባ ኣሜሪካ ዝነበረ ስርዓት ደርጊ እውን ቅድሚ ምውዳቁን ክወድቅ ምስ ተቃረበን ካብ ሞቱ ንክድሕን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣካይዳ እያ። ክርሳዕ ዘይብሉ ኣብ 1990 ባጽዕ ምስ ተታሕዘት እታ መሸንቆቃ ኣብ ክሳድ ደርጊ ከም ዝኣተወት ዝተገንዘቡ ኣሜሪካውያን ብስም ሰላም ብፕረሲደንት ነበር ጂሚ ካርተር ኣብ ኣትላንታን ናይሮብን ክልተ ግዜ ናይ “ሰላም” ዘተ ከምዝካየድ ጌሮም እዮም። ህዝባዊ ግንባር ነዚ ናይ ሰላም ዘተ ዝተቀበሎ መርኣያን ድልውነትን ብሰላም ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክፍታሕ ዘለዎ ድሌት ንዓለም ንምርኣይ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት እዩ ነይሩ።
እቲ ክልተ ዘተታት ምስ ፈሸለ ኩናት እንዳሓየለ ህዝባዊ ሰራዊት ንኣስመራ፡ ጥሙር ሓይሊ ኢሂወደግን ህዝባዊ ሰራዊት ድማ ንኣዲስ ኣበባ እንዳተቀራረቡ ምስ መጹ እውን ኣሜሪካ ብመንገዲ ናይ ኣፍሪቅ ጉዳያት ሓላፊኣ ዝነበረ ሄርሞን ኮህይን ንስርዓት ደርጊ ካብ ስዕረት ንምድሓን ኣብ ለንደን ደርጊ ምስ ህዝባዊ ግንባርን ኢሂወደግን ናይ ዘተ ዝርርብ ከም ዝካየድ ጌሮም። ኣሜሪካ ኣብ’ዚ ኣኼባ ክልተ ተንኮላት ሒዞም እዮም ቀሪቦም። ቀዳማይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከይትፍለ ህዝባዊ ግንባር ትሕቲ ሃገራዊ ነጻነት ንክቕበል ጸቕጢ ምግባርን እንተዘይኮይኑ ድማ ክልቲኤን ውድባት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከይእትዋ ተጽዕኖ ብምግባር ደርጊ ሓይሊ ዘደልድለሉ ግዜ ንምሃብ እዩ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ኣምር ዋቅዕ (ወድዓዊ ኩነታት) ወታሃደራዊ ፍጥነት ናይ ክልቲኡ ውድባት ብሓይሊ ቀጺሉ ኣኼባ ለንዶን ከይተወድኣ ህዝባዊ ግንባር ኣስመራ ብምእታው ነጻነት ኤርትራ ከረጋግጽ እንከሎ ኢህወደግ ድማ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕግጋዝ ህዝባዊ ግንባር ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝተቆጻጸርወን ኢህወደግ ድማ ንነጻነት ኤርትራ ስለዝደገፉ ኣሜሪካ ነቲ ወድዕነት ክትቅበሎ ግድነት ኮይንዋ።
ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ በቲ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ኣትላንታን ናይሮብን ለንዶንን ዝተገብረ ዝምድናታት ኣሜሪካን ኤርትራን ክሳብ ወራር ወያነ ብጽቡቕ እዩ ቀጺሉ። እንተኾነ ኢህወደግ(ወያነ) ነቲ ዝኣረገ ጥሙሕ ኣሜሪካ ከሳስዩ ድልዋት ብምኻንን ንትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ንምሕጋስን ንምኽሳብን ብዝኣለምዎ ውዲት ዝምድና ኤርትራን ኣሜርካን እንደገና ተበላሽዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኤርትራ ብጠቀነ ሓሶት ወያነ ከቢድ እገዳ ብመንገዲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምዝብየን ጌሮም። ኣብ’ዚ ውሳኔ ናይ ኣሜሪካ ዝዓበየ ግደ ነይሩ። እቲ ባይቶ ጸጥታ ዘጽደቆ እገዳ ድሕሪ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋላ እንተተላዕለ ኣሜሪካን ኤውሮጳውያንን ግን ክሳብ ሕጂ በይናዊ እገዳኣን ይቅጽልኦ ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመት እገዳ ንህዝቢ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሃስያን ስቃይን ከምዘውረደሉ ብግብሪ ሪኢናዮ ኢና። እንተኾነ ሳላ ጽንዓትን ህዝብን መንግስትን ሓያል መሪሕነትን ብጀካ ውሑዳት ሃገራት ካልኦት ክጻወርኦ ዘይክእላ ተጻዊራ ልዕላውነታ ሓልያን ኣረጋጊጻን ርትዓዊ ምዕባለን ራህዋን ሰላምን ርግኣትን ዘለዋ ሃገር ኮይና ትቅጽል ኣላ። ብደረጃ ኣፍሪቃን ሱሉስ ዓለምን ብፍላይ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ብውሽጣዊ ኩናትን ዕግርግርን ህዝቢ ኣብ ዓዱን ወጻእን ክመዛበልን ብጥምየትን ሕሰምን ክሓልፋ እንከለዋ ኤርትራ ግን ምልክት ጽንዓትን ርግኣትን ኣብነታዊት ሃገር ኮይና ትቅጽል ኣላ።
ብሓፈሽኡ ምዕራባውያን ድሕረትን ሕንፍሽፍሽን ብልሽውናን ናይ ኣፍሪቃ ከም ምርቃ እዮም ዝጥምትዎ። ብልሽው መራሒ እንተዘይሃልዩ ክሰርቁን ክምዝምዙንን ኣይጥዕሞምን እዩ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ሃገራት ምዕራብ ነቲ ሙቹእ ሃዋህው ናይ ኤርትራ ዘይቅበልኦ ንሰን ከምድላየን ዘምሓድርኣ ሃገር ስለዘይኾነት እያ። ነተን ሓቀኛ ድሌት ህዝበን ሒዘን ዝጋዓዛ ዝተፈላለየ ስም እንዳጠመቃ ኣብ ዓለም ተነጽሎ ከጋንፈን ህዝቢ ድማ ብሕንፍሽፍ ምእዙዝ ከይከውን እየን ዝጽዕራ።
ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ጽቡቅ ዝምድና ንክትገብር ተጠራጢራ ኣይትፈልጥን እያ። እቲ ጸገም ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኩሎም ኣብ ስልጣን ዝመጹ መራሕትን ፓርትታትን ንፍሉይ ረብሓኦም ኣብ ሽርክነትን ማዕርነትን ዝተሞርከሰ ዘይኮነስ ከም’ቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ውዲት ንኤርትራ ንምብርካኽ ስለ ዝመርጹ ጥራሕ እዩ። ኤርትራ ምስ ኣሜርካ ክትምስርቶ እትደሊ ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመሰረተ ናይ ጊላን ጎይታን ዘይኮነ ንውሽጣዊ ምሕደራኣ ባዕላ እትቆጻጸሮ ኮይና ክትቅጽል ስለእትደሊ እዩ።
ምስ እዚ ኹሉ ግን ኣብ ቀዳማይ ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ ናይ ስልጣን ግዜ ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ክትቀራረብ ጻዊዒት ኣቕሪባ ነይራ። ፕረሲደንት ትራምፕ ድማ ኣወንታዊ መልሲ ሂቡ ከብቅዕ እቲ ጻዊዒት ፍረ ከይሃበ ስልጣን ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብቂዑ። ሕጂ ድማ ንፕረሲደንት ትራምፕ እንደገና ዝምድንኡ ምስ ኤርትራ ንምምሕያሽ ኤርትራ ጻዊዒት ኣቕሪባ ክሳብ ሕጂ ግን ብሰንኪ ኣብ ዋሽንግቶን ዝርከቡ ሰብ ፍሉይ ረብሓታት ነቲ ተበግሶ ዕንቅፋት ክገብሩሉ ጸኒሖም። ብዝኾነ እቲ ርክባት ብዝተፈላለየ መልክዓት ክቅጽል ጸኒሑ እዩ።
ሕጂ ኣብዚ እዋን ብመንገዲ እቲ ሓደ ካብቶም ዓበይትን ጸለውትን ዝኾነ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንናይ ኣሜርካን ኤርትራን ኣመልኪቱ ተጻሒፉ ዘሎ ሓደ ስጉምቲ ንጽምዶ ኣሜርካን ኤርትራን እዩ። እቲ ርክብ ኣሜሪካን ኤርትራን ብዝተፈላለየ መልክዕ ክቅጽል ከምዝጸንሐ ፍሉጥ እካ እንተኾነ እቲ ሕጂ ዝያዳ ደሚቁ ምስ ተገልጸ፡ ስለምንታይ እዩ ሕጂ ዝብል ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ብፍላይ በቶም መዋእሎም ንኤርትራ ዘይስማ ዝህቡ ሰባት ይደጋገም ኣሎ። ብፍላይ ጥሩፋት ኢትዮጵያውያን ኤርትራ ተገሊላ ክትነብር ናይ ባሕሪ ጥሙሖም ብመንገዲ ኣሜሪካ ጌሮም ከተግብሩ ንዝደልዩ ዝነበሩ ሕማም ርእሲ ኮይንዎም ኣሎ።
እዚ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶ ቀንዲ ደራኺኡ ውግእ ኢራንን ኣሜሪካን ኢስራኤል ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልካ ይግመት። ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝን ሲዒቡ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ኢራንን ሑቲን ንቀይሕ ባሕርን ባብ ኤል ማንደብን ንምዕጻው ዝግበር ዘሎ ምፍርራሕን ካልእ ተወሳኺ ግምት እዩ። እንተድኣ ቀይሕ ባሕሪን መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብን ተዓጽዩ ነቲ ኣብ ዓለም ሕጂ እንርእዮ ዘለና ምንቁልቃል ቁጠባ ዓለም ዝያዳ ከጋድዶ እዩ። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ብዙሓት ስርዓታት ካብ ስልጣን ምእላይ’ውን ከከትል ይኽእል እዩ።
ስለ’ዚ ኤርትራ ከም ወናኒት ናይ 1200 ኪሎሜትር ገማግም ባሕርን ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ መጻብቦ ባብ ኤል ማንደብን እትርከብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነታን ውሽጣዊ ርግኣታን ንዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይተሳትፎ ኤርትራ ድማ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ምርጫ ኣሜርካን ፕረሲደንት ትራምፕ ካብ’ቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ዓዘቕቲ ንክወጹ ዝምድና ምስ ኤርትራ ምግባር ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ዝቀርብ ዘሎ ጠለብ ድማ ኣብ ግዚኡ ዝመጸ እዋናዊ ግዴታ እዩ። ኣብ’ዚ ዝፍጠር ዝምድና ማዕረ እቲ ኣሜሪካ እትረኽቦ ረብሓ ኤርትራ’ውን ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ረብሓታት ክትጋናጸፍ ኢያ።
ዓለም ትዕዞቦ ከምዘላ እዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ርግኣት ዘይብሉ ዞባ እዩ። ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድን ግርጭታት ጎዶቦን ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል የመንን ክንዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይርጉእ ኩነታትን ምልዮናት ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ዓዶምን ካልኦት ሃገራት ዝመዛበልሉ ብጥምየትን ኣህዛብ ዝሰቃይሉ ዘሎ ዞባ፡ ጥርፋት ጉጅለታትን ምንቅስቃሳትን ዝፈርዩሉን ዝራብሑሉን ኩነታት ኮይኑ ኣብ ዘሎ ኩነታት ሓንቲ ርግእትን ጥምርትን ሓያል ሃገር ኤርትራ ጥራሕ ስለዝኾነት ነቲ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ሽግራት ንምፍታሕ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዋ ከምዝኽእልን ንናይ ሕጂ ጽምዶ ኣሜርካን ኤርትራን ደራኺ ምኻኑ ምግንዛብ ጽቡቕ እዩ።

