ምስ መሳርሕቱ ኮይኑ ጋዜጣ ሰቲት ዝመስረተን፣ ንፍትሒ፣ ሓቅን ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽን ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ዘይሕለል ድምጺ ዝነበረን፡ ፕሮፈሰር ኣሮን ብርሃነ ካብ እንኸስሮ ድሮ 4 ዓመታት ሓሊፉ። ኣሮን ብዕለት 1 ግንቦት 2021 ዓ/ም ዓሪፉ፣ ዕረፍቱ ግን ጌና ዘይሃሰሰ ቁስሊ እዩ ዘሎ። ሎሚ ግን ብምስቁርቋር ዘይኮነስ፣ ብምስጋና ስለቲ ብመትከላዊ እምነት ዘሕለፎ ህይወቱን፣ ነቲ ኣብ እሙን ተቓውሞ ዝተሰረተ ዘውረሰና ሓድግን ኣብ ውሽጢ ኹላትና ብቐጻሊ እትበርህ ዘላ ሽግን ኢና እንዝክሮ።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዕለት 6 ጥቅምቲ፣ 1969 ዓ/ም ዝተወልደ ፕሮፈሰር ኣሮን ብርሃነ፡ ቃልሲ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ኢዩ ጀሚሩ። ኣብ መበል 9 ዓመት ዕድሜኡ ናብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጸንቢሩ። ወዲ 14 ዓመት ከሎ፣ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ንህዝቢ ኣብ ምምሃር ተዋፊሩ ኣብቲ ታሪኻዊ ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት ዕዙዝ ኣበርክቶ ጌሩ። ዝነበሮ ግንዛበ ዕላማን ተወፋይነትን ብፖለቲካዊ ኩነታት ዝተሰነዑ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ መንፈሱ ዝተሰረተ ‘ዮም ነይሮም።
ኣብ 1997 ዓ/ም፣ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ኣሮን ነታ ቀዳመይቲ ናጻ (ብሕታዊት) ጋዜጣ ኤርትራ መስሪቱ። እታ ጋዜጣ፣ ብቕልጡፍ ኣብታ ጽምኣት ደሞክራሲያዊ ምግላጽ ሓሳባት ዝነበራ ሃገርና ኤርትራ፡ ዓንዲ ማእከል ክፉት ዘተ፣ ህየሳዊ ኣተሓሳስባን ዜግነታዊ ሓላፍነትን ክትከውን ክኢላ ነይራ። እቲ መንፈስ ግን፣ ኣብ መስከረም 2001 ዓ/ም ብዘጋጠመ ፖለቲካዊ ነውጺ ተዓፊኑ። ሽዑ፣ ናጻ ፕረስ ተበቲኑ፣ ብዙሓት ብጾት ኣሮን ከኣ ብዘይፍሓዊ ብዝኾነ መስርሕ ኣ ብቤት ማእሰርታት ተዳጒኖም፣ ሓያሎ ካብኦም እውን ክሳብ ሎሚ፣ ድሕሪ ክልተ ዓሰርተ-ዓመታት (ዓቒዳ) ጌና ተኣሲሮም ኣለዉ።
ኣሮን ካብ ማእሰርትን’ኳ እንተ ኣምለጠ፣ ነቲ ቃልሲ ግን ንድሕሪት ገዲፉ ኣየቋረጾን።
ኣብ ስደት፣ ካናዳ ኮይኑ፣ ስድራ-ቤቱ እናኣለየን ትምህርቱ እናቐጸለን፣ “መፍትሕ” ዝተባህለት፣ ሓቂ ንምግላጽን ዜግነታዊ ጽምዶ ንምትብባዕን ሓድሽ መድረኽ እትኸፍትን መጽሔት መስሪቱ’ዩ። ብዘበርከቶ ስራሕ ሃገራዊ ኣፍልጦ፣ እንተላይ ሽልማት ትካል ሃገራዊ ኤትኒካዊ ፕረስን ባይቶ መራኸቢ ብዙሓን ካናዳን ክዕወት በቒዑ።
ኣሮን ነዚ ሽልማት ካብ ኢድ ናይ ሽዑ ቀ/ሚኒስተር ካናዳ ዝነበረ፣ ስተቨን ሃርፐር (Stephen Harper) ተቐቢሉዎ። ንሱ ግን በዞም ክብርታት ኣይተለወጠን። ከም ቀደሙ ለዋህ፣ ኣብ መትከሉ ርጉእን በዓል ራእይን ኣሮን ኮይኑ ቀጺሉ። ከምኡውን ንሱ መምህር፣ ሓው፣ ኣቦን ኮስኳስን ነይሩ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ህይወቱ ዝነበረት ዓመተ 2020፣ ንሱ ኣብ ወጻኢ (ዲያፖራ) “ንሰቲት ሜድያ” ዳግም ኣብ ምብጋስ ዓቢ ግደ ድማ ተጻዊቱ።
በቲ ካብ 1997 ኣትሒዙ ዘዘውተሮ ልሙድ ዘይሕለል መትከላዊ እምነቱ ፕረሲደንት ቦርድን ኣማኻርን ኮይኑ ክሳብ መወዳእታ ሰሪሑ። ኣብ ነፍስ-ወከፍ እንወስዶ ዝነበርና ስጉምቲ ናቱ ኢድ፣ ሕልና ድምጽን ምሳና ነይሮምን ኣለዉን። ሕልሙ ብትረት ሓቂ ምድርጓሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መጻኢ ኤርትራ ንምግላጽ ዝሕግዝ፥ ባህሊ ፍትሒ፣ ዘተን ክብርን ምዕባይ ‘ውን ነይሩ።
ንሕና ሎሚ ነዚ ቃልሲ ክንቅጽሎን ንቕድሚት ከነሰጉሞን መብጽዓ ንኣቱ።
ነቲ ኣሮን ንመዋእሉ ዝጸዓረሉን ዝተቓለሰሉን ዕላማ፣ ማለት ፍትሕን ነቶም ካብ 2001 ዓ/ም ኣትሒዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፣ መራሕትን ተራ ሰባትን ድማ ግቡእ መስርሕ ፍርዳዊ መስረሕ ክረኽቡን ምጥላብ፣ እቶም ሓላፍንት ክስከሙ ዝግበኦም ብዘይ ኣድልዎን ፍርሕን ትሓታትነት ክህሉ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ኣብ ዝሃለዉ ሃሊዮም ድምጺ-ኣልቦ ንዝኾኑ ሓፋሽ ድምጺ ክንከውን ዘለና ተወፋይነት ደጊምና ነረጋግጽ።
ንሕና ንሰቲት ሜድያ፣ ከም መድረኽ ናይ ዜናን ርእይቶታትን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ናይ ሓቂ፣ ሓድነትን ደሞክራስያዊ ቃልስን ምንቅስቓስ ጌርና ከም እንሃንጻ ቃል ንኣቱ። ተልእኾና ንጹርዩ፣ ንሕና ነቶም ዓው ኢሎም ሓቂ ብምዝራቦም ዋጋ ዝኸፈሉ ከይረሳዕና ነቲ ናጻ ሓሳባት ናይ ምዕባስ ተግባር ከም ንቡር ጌርና ኣይክንቅበሎን ኢና። ከምኡ’ውን ፍትሓዊን ኣሳታፍን ዘይኮነ መጻኢ ኤርትራ ድማ ኣይንቕበልን።
ሰቲት ጋዜጣ ጥራይ ኣይነበረትን፣ ማሕታ እምበር! ኣሮን ከኣ ተራ ጋዜጠኛ ኣይነበረን፣ እንታይ ድኣ፣ ንቕድሚት ንዝመርሕ መንገዲ ዘብርሀ ሽግ እዩ ኤሩ። እታ ሽግ፣ ምስኡ ኣይሞተትን። ኣብ ውሽጥና ኣብታ ነፍስ-ወከፍ እንጽሕፋ ቃል፣ ኣብ ነፍስ-ወከፍ እነጉልሓ ድምጺ፣ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ነፍስ-ወከፍ ዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ክህሉ ዝሓልም ኤርትራዊ ዜጋ ኣላ።
ክቡር ፕሮፈሰር ኣሮን ብርሃነ ነኽብረካን ነሞጉሰካን! ንናፍቐካን ምሳና ዘይምህላውካ ይስመዓናን ቃልና ከም ዘይነቋርጽ ውን ንመባጽዓልካ!
ትርጉም፡ ኮሎነል ኻልድ ኣበራ
