back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ኣይጠዓስን’የ ( ኣልጸጸትም) ጀዋር መሓመድ-መጽሓፉ ” ካብቲ ዝኸፍአ ናብቲ ዝበኣሰ” ቀዳማይ ክፋሉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ንተቓውሞይ ኣብ ውሽጠይ ብምግባር እቲ ስግግር ንክሳኻዕ ብልቢ ወሰንኩ፡ ገና ብግስ እንከይበለ ንታሪኽ ኦሮሞን ናብ ዲሞክራሲ ንዝግበር ምስግጋር ከተዓናቕፍ ዝኽእል ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ስለ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓኡ ዝነበረኒ ፍርሕን ጥርጣረን እናሓየለ መጸ።ይኹን እምበር ማዕዶ ኴንካ ኣብ ክንዲ ምሕማይን ምንቃፍን ሂሳዊ ዝኾነ ድጋፍ እናሃብኩ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ንምስላጥ ፈተንኩ፡ ናብ ሃገር ድሕሪ ምምላሰይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እናተራኸብና ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክንመያየጥ እንከለና ኣብ መብዛብትኡ ጉዳያት ክንሰማማዕ እንከለና ኣብ ተግባር ግን መንግስቲ ኣንጻር ናይቲ ዝተሰማማዕናሉ ጉዳያት’ዩ ዝፍጽም ኔሩ፡፡ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ደጋጊሙ ቃል ዋላ’ኳ እንተ ኣተወ ፡ ዝወስዶም ዝነበረ ጭቡጣት ስጉምትታት ግን ሓድሽ ውልቀ መላኺ ስርዓት ናይ ምምስራት ኣንፈት ከም ዘለዎ ዝሕብሩ’ዮም ኔሮም።ብመሰረቱ ነታ ሃገር ናብ ስርዓተ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ናይ” ቀንዲ ሰልፊ” ስርዓት ብምግዳፍ ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ስርዓት ምህናጽ ኣድላዪ’ኳ እንተኾነ እናረኣናዮ ዝመጻእና ግን ካብ ናይ ሓደ ሰልፊ ውልቀመላኽነት ናብ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ውልቀ መላኽነት ናይ ምስግጋር ኣካይዳ’ዩ ኔሩ።

ነቲ ነባር ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲያዊ ምግባር ንዕዑ ብምፍራስ ብኣሓዳዊ ኣገዛዝኣ ናይ ምትካእ ትልሚ ከም ዘሎ ብዙሓት ሓበርቲ ስጉምትታት ምርኣይ ጀመርና።ኣደናገርቲ ዝኾኑ ታሪኻት ብምቕራብ ሓድሽ ውልቀመላኺ ስርዓት ንምህናጽ ምምናይ ወይ ድማ ንፌደራሊዝም ንምጥፋእ ምፍታን ኣብ ልዕሊ ሃገር ልዑል ሓደጋ ከብጽሕ ከም ዝኽእል ኣብ ዝተፈላለየ ግዜታት ብቃል ኮነ ብጽሑፍ ንምጥንቃቕ ዋላ’ኳ እንተ ፈተንኩ ሰማዒ ግን ኣይረኸብኩን።ንኣብነት ንዮጎዝላቭያ ብዛዕባ ዘፍረስዋ ምኽንያታት ትንታነ ብምጽሓፍ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ መታን ከይገጥማ ክወስዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ንምሕባር ኣብ ዝፈተንኩሉ እዋን ንስግኣተይ ኣብ ክንዲ ምስትባህልን ግምት ምሃብን ብሕርቃን ምክሽማሽ ይረአ ኔሩ’ዩ።ኣብ ፈለማ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ብዛዕባ ዘለኒ ነቐፌታ ብቅሉዕ ካብ ምግላጽ ዋላ’ ኳ እንተተቖጠብኩ ሃንደበት ክንራኸብ እንከለና ወይ ድማ ብመንገዲ ቀረብቲ ክልቴና ዝኾኑ ሰባት ኣቢለ ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓልኩን።ብፍላይ ናብ ለማ መገርሳ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ብርሃኑ ጸጋየን ብዙሕ ግዜ ብምምላስ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ኣብ ምሕባር ኣይረብረብኩን።

ኣብ መንጎይን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ዘሎ ምርሕሓቕ ሓሳብ ስለ ዘተሓሳሳቦም ነቲ ሃጓፍ ንምጽባብ ብዙሕ ፈቲኖም’ዮም፡ ድሒሩ ግን ንሳቶም ባዕሎም ካብ መንግስቲ ተደፊኦም ወጹ፡ ለማ መገርሳ ካብ ፕረዚደንትነት ክልል ኦሮምያ ከም ዝተኣለየ ምስ ተሰምዐ እቲ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ ምስ ሓተትኩ “ቀዳማይ ሚኒስተር ስራሕ ስለ ዝጽዕቆ ንዕዑ ንምሕጋዝ’ዩ ናብ ፌደራል ከይዱ” ኢዮም ኢሎሙኒ።ኣነ’ውን ብምእላይ ለማ መገርሳ ባህ ንዘይበሎ ህዝቢ ብመንገዲ ሚድያ ንምርግጋእ ፈተንኩ።ድሒረ ግን ለማ መገርሳ ብዘይ ድሌቱ ካብቲ ቦታ ከም ዝተኣለየ ካብ ባዕሉ ፈለጥኩ፡ ጉዳይ ለማ እናተሓሳሰበና እንከሎ ልፍንቲ 4 ውድባት ንዝኾነ ኢህወደግ ብምውህሃድ ናብ ሓደ ሰልፊ ናይ ምቕያር መደብ ከም ዘሎ ሰማዕና።ነዚ ትልሚ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ንድፊ መጽሓፍ “መደመር” ቀረበ።ምግፋዕ ለማ መገርሳን ምውህሃድ ገዛኢ ሰልፊ ምትላሙን ኣብ መንጎ ኦሮማን ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ዘይምርግጋእ ብምፍጣር ሓደጋ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ኢለ ስለ ዝጠርጠርኩ ምስ ኣቶ ሌንጮ ብምዃን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣዘራረብናዮ።

ምስ ለማ መገርሳ ዋላ ሓንቲ ዘየሰማምዕ ጉዳይ ከም ዘይብሎምን ከም ቀደም ብፍቕሪ ብሓባር ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከቡ ነገረና፡ ለማ ባህ ከም ዘይበሎ ካብ ኣንደበቱ ከም ዝሰማዕኩ ምስ ገለጽኩ ” ኖኖ ትጋገ ኣለኻ ፡ለማ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን፡ ሓድሽ ነገር እንተደኣ ኣሎ ድማ ብምዝርራብ ክንፈትሖ ኢና” በለኒ።ብዛዕባ ውህደት ኢህወደግ ብዙሕ ከዕልልና ኣይደለየን፡ መጽሓፍ ምድማር ትዳሎ ከም ዘላን ነቲ ትልሚ ኣብኣ ከም እንረኽቦ ብምሕባር ንንድፊ እታ መጽሓፍ ከም ዝልእኸልና ቃል ኣተወልና።ብወገንና ንኢህወደግ ምፍራስ ግዚኡ ከም ዘይኮነን ንመስርሕ ምስግጋር ክሃስዮ ከም ዝኽእል ከነረድኦ ፈተንና፡ ከም ስግኣት ዘቕረብናዮ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ግጭት ከስዕብ ይኽእል’ዩ ዝብል’ዩ፡ ብፍላይ ምስ ህወሓት ንዘሎ ሓርፋፍ ርክብ ብዝበለጸ ከገድዶ ከም ዝኽእል ስግኣትና ብምግላጽ ቅድሚ ምፍራስ ኢህወደግ ምስ ህወሓት ኣጋጢሙ ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሰብና።

ነዚ ጉዳይ እዚ ንምፍታሕ ኣብ ኦሮምያን ትግራይን ዘለዉ ተሰማዕነት ዘለዎም መራሕቲ እንተዝዘራረቡ ጽቡቕ’ዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪብና ንሱ’ውን ተሰማምዐ።ካብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ክራኸቡ ናይ ዝኽእሉ ውልቀሰባት ኣስማት ረቛሕና፡ ንሱ’ውን ምስቶም ሰባት ተራኺብና ክንዘራረብን ነቲ ጉዳይ ከነፈጽሞን ሓተተና፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ብሸነኽ ትግራይ ንዘለዉ ሰባት ምስ ኣቕረብናሎም ብሓጎስ ዋላ’ኳ እንተተቐበልዎ እቲ ዝተሓሰበ ሽምግልና ቅድሚ ምትግባሩ ፖለቲካ እታ ሃገር ጥዕና ሰኣነ።ኣነን ኣቶ ሌንጮ ለታን ምስቲ ቀዳማይ ድሕሪ ምዝርራብና ብዙሕ ከይጸንሐ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ንድፊ መጽሓፍ ምድማር ለኣኸልና።ኣንቢበ ክእረም ኣለዎ ዝበልኩዎ ሓሳባት ኣዳለኹ፡ መሊሱ ዝሓተተኒ ግን ኣይነበረን፡ ምስ ኣቶ ሌንጮ ተራኺብና ሓሳባትና ከመይ ጌርና ከነቕርብ ከም ዘለና ምስ ተዛተና፡ ኩሎም ፈጸምቲ ስራሕ ኦዴፓ ኣብ ዝተረኸብሉ ምቕራብ እቲ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ተሰማማዕና።ናብ ብርሃኑ ጸጋየ ከይደ ብዛባዕባ እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ነገርኩዎ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ተዘራሪቡ መድረኽ ዘተ ከም ዘዳሉ ሓበረኒ።እቲ መድረኽ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይዳሎ ይኸውን’ዩ ኢልና ኣብ ትጽቢት እንከለና ብርሃኑ ደሃይ ኣጥፈአ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽቡቕ መልሲ ከም ዘይረኸበ ስለ ዝተረድኣና ሓሳባትና ከነዋድቕ ተገደድና።

ሓንቲ መዓልቲ ሽመልስ ኣብዲሳ ደወለለይ እሞ ኣብ መጽሓፍ ምድማር ኣብ ቢሾፍቱ ዘተ ስለ ዝግበር ኣዛታዪ ንክኸውን ዓደመኒ፡ ንድፊ ኣንቢበ ንዘዳለኹዎ ሓሳባት ቅድሚ ምቕራበይ እታ መጽሓፍ ምስ ተሓተመት ምዕዳመይ ከም ዝገረመኒ ነገርኩዎ፡ ኣብታ መጽሓፍ ተኻታቱ ንዘሎ ብዙሕ ሓሳባት ስለ ዘይድግፎ ኣዛታዪ ክኸውን ከም ዘይኽእል ገለጽኩሉ፡ ንሱ ግን እንተወሓደ ከም ተሳታፊ ተረኺበ ሓሳባተይ ከቕርብ ሓተተኒ፡ ብሓሳቡ ተሰማሚዔ ንጽባሒቱ ናብ ቢሾፍቱ ኣቕናዕኩ፡ ኣብቲ ኣኼባ ምሁራን ነታ መጽሓፍ ኣንቢቦም ብምምጻእ ሃናጺ ዝኾነ ርእይቶታት ከም ዝህቡ ተነጊርኒ እኳ እንተነበረ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝረኣኹዎ ግን ካልእ’ዩ ኔሩ፡ መምህራን ዩኒቨርሲቲ ፡ኣንቃሕቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ካድራት ሰልፍን ሰብ ሃብትን ተሓዋዊሶም ነበሩ።ብዙሓት ሰባት ነታ መጽሓፍ ከም ዘይንበብዋ ኣብ ጥቓይ ካብ ዝነበሩ ሰባት ተረዳእኩ።እቲ ኣኼባ ምስ ተጀመረ ካድራት ኦዴፓ ብዛዕባ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ በብሪጋ ወረቓቅቲ ምቕራብ ጀመሩ።ካብቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ምርዳእ ዝተኸኣለ እቶም ተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኮኑስ እቶም ኣቕረብቲ’ ውን ነታ መጽሓፍ ከም ዘየንበብዋ ጎሊሑ ይረአ ነበረ።እቶም ካድራት ሙሉእ መዓልቲ ወረቓቕቶም ከቕርቡ ድሕሪ ምውዓሎም ኣማስያኡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ንምቕባል ዕድል ተወሃበ።ሕቶ ንምቕራብ ኮነ ርእይቶ ንምሃብ ድሌት ኣይነበረንን ፡ ድሕሪ መራሒ እቲ መድረኽ ስመይ ብምጽዋዕ ርእይቶ ክህብ ጋበዘኒ፡ ኣነ ድማ እታ መጽሓፍ ሕጂ ክትሕተም ከም ዘይነበራን ብዙሕ ክመሓየሽ ዝግበኦ ነገራት ከም ዝነበራ ገለጽኩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኦሮሞ ካብ ገዛእ ርእሱ ናይ ምርሓቕን ንካልኦት ናይ ምቕራብ ኣካይዳ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ሓሳበይ ኣፍሰስኩ፡፡እቲ ምኽንያት ድማ ንሕና ናብዚ ዘተ’ዚ ቅድሚ ምዕዳምና ዶክተር ብርሃኑ ነጋን ካልኦት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ብኣምሓርኛ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ተዓዲሞም’ዮም።ብኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ሓደ’ኳ ካብቶም ውሩያት መራሕቲ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ኣይተዓደመን።እዚ ድማ መንግስትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ውግንናኦም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ኦሮሞ እናረሓቐ ከም ዝኾነ ዘርኢ’ዩ ብምባል ቅሬታይ ብነድሪ ኣቕረብኩ። እቶም ኣዛተይቲ ብነድረይ ስለ ዝተሰናበዱ ዘተ ናይታ መዓልቲ ብእኡ ከም ዝዛዘም ተገበረ።

ንጽባሒቱ ድሕሪ ፋዱስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ መጺኡ ንዕዱማት መደረ ኣቕረበ፡ ከም ዝሓረቐ ርዱእ’ዩ ኔሩ፡ “ክሳተፉ ዘይነበሮም ዓዲምና ኢና”ብምባል ከም ዝተጠዓሰ ገለጸ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ንዝቃወም ውልቀሰብ ይኹን ውድብ ዋላ ሓንቲ ትዕግስቲ ዝበሃል ከም ዘየለ’ውን ሓበረ።መብዛሕትኡ መደርኡ ምፍርራሕ’ዩ ኔሩ፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ጎኒ ንጎኒ ኮይንና ድራር እናበላዕና እንከለና ከዕልሎ ዋላ’ኳ እንተ ፈተንኩ ኮርዩ ተዓበሰ።ድሕሪ እቲ ኣኼባ ድሕሪ ሰሙን ንኣካያዳ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝቃወመሉ ምኽንያት ዝገልጽ ነዊሕ ጽሑፍ ኣብ fb ኣስፈርኩ።”ንኢህወደግ ምፍራስ ዶ ወይስ ምሕዳስ ይሓይሽ? “ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንጥምረት ገዛኢ ሰልፊ ናብ ሓደ ሰልፊ ምምጻእ ዘኸትሎ ሳዕቤንን ጉድኣትን ብዝርዝር ጸሓፍኩ፡ ንኢህወደግ ካብ ልፍንቲ ናብ ሓደ ሰልፊ ንምቕያሩ ዝቐረበ ምኽንያት ብስም ብሄር ዝምስረት ሰልፊ ንከይህሉ ብምሕሳብ ስለ ዝኾነ ብብሄር ምውዳብ ምኽልካል ህዝብታት እታ ሃገር መሰሎምን ረብሓኦምን ተወዲቦም ንምኻባር ንዝህልዎም ዓቕሚ ክንክዮ’ዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበረኒ’የ እዚ ኣተሓሳሳባ’ዚ ንገዛኢ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነስ ንተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን ናብ ምእጋድ ክኸይድ ከም ዝኽእል ገሚተ ኔረ።ንስግኣተይ ብዝበለጸ ዘራጎደለይ ድማ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብብሄር ንዝተመስረታ ሰልፍታት ናይ ምእጋድ ወፍሪ ልዕሊ ይካየድ ምንባሩ ነቲ ናይ ምእጋድ ወፍሪ ዘካይዱ ጉጅለታት ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቀረቤታ ዝነበሮም’ዮም።ንኢህወደግ ብምኽሳም ንውድባት ብሄር ብሄረሰባት ንምፍራስ መንገዲ ምጥጣሕ ንውጽዓት ብሄራት እታ ሃገር ክሃስየን’ዩ ዝብል ብርቱዕ ስግኣት ነበረኒ።ከም ብሄር ዝተጨቆነ ህዝቢ ሓባራዊ መሰሉን ረብሓኡን ምኽባር ዝኽእል ብመንንቱ ክውደብ ምስ ዝኽእል ሰለ ዝኾነ ፡ብመንንት ብሄሩ ዝተበደለ ህዝቢ ብብሄር ንከይውደብ ምኽልካል ኣብቲ በደል’ቲ ንክጸንሕ ምፍራድ’ዩ፡፡እቲ ለውጢ መሰል ብሄራት ብዝበለጸ ብምኽባር ንህንጸት ድልዱል ፌደራልውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት መሰረት ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሉ ወቕቲ ብብሄር ምውዳብ ምኽልካል ዓመጽን ግጭትን ከስዕብ ይኽእል’ዩ ዝብል’ዩ ኔሩ ፍርሐይ።

ሕብረ ብሄራዊት ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣብ መንጎ ልሂቃን ዝርርብን ስምምዕን ምግባር ንግጭትን ኣድልዎን ንምንካይን ዝተረጋግአ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናጽ ጠቓሚ’ዩ ዝብል ድማ እቲ ካልኣይ ምኽንያት’ዩ ኔሩ።ልፍንቲ ሰልፍታት ማለት ብመሰረቱ ልሂቃን ፖለቲካ ሃገር ንምምሓዳር ዝዘራረቡሉ መድረኽ’ዩ፡ ሃገር ኣብ ክንዲ ብልዕልና ናይ ሓደ ሰልፊ ብልፍንቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ምምሕዳራ ንምዝርራብ ዕድል ይህብ’ዩ፡ እዚ ድማ ድሌትን ጥሙሕን ናይ ሓደ ሰልፊ ከም ድላዩ ንከይዕንድርን ከይትግበርን ሓጋዚ’ዩ፡፡እቲ ኣመራርሓ ንምዝርራብን ምስምማዕን ክግደድ እንከሎ ኣኽራርን ኣድሎኣውን አመለኻኽታ ሃገራዊ ፖሊሲ ኮይኑ ንከይትግበር ዋሕስ ይኸውን።ብፍላይ ድማ ግጭት ብሄራት ኣብ ዘለዋን ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ኣብ እተንፋሑኽ ሃገር ኣዝዩ ኣድላዪ’ዩ።ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ልዕልና ህወሓት ከም ዝነበረ ዝከሓድ እኳ እንተዘይኮነ ልፍንቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ስለ ዝነበረ ኣብ መንጎ መራሕቲ ዝተወሰነ ዝርርብን ስምምዓትን ይግበር ኔሩ’ዩ።ስለዚ ድማ ጌጋታት ናይቲ ገዛኢ ሰልፊ ንምቕራፍ እቲ ዘድሊ ስጉምቲ ንኢህወደግ ዲሞክራሲያዊ ብምግባር ፍትሓዊ ዝኾነ ዝርርብን ስምምዕን ናብ ዝግበረሉ መድረኽ ምቕያር’ዩ እቲ ዝሓሸ ዝብል መርገጺ’ዩ ኔርኒ።ኣብ ልዕሊ ኢህወደግ ዝቐርቡ ክልተ ቅሬታታት ኔሮም፡እቲ ሓደ ኣባል ሰልፍታት ኣብ ኣወቓቕራ እቲ ውድብ ዘለወን ውክልና ፍትሓዊ ኣይኮነን ዝብል ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ነኣሽቱ ንዝኾና ክልላት ዘመሓድራ ሰልፍታት ፌደራል መንግስቲ ካብ ዘመሓድሮ ልፍንቲ ምግላለን’ዩ፡ መፍትሒ ናይዚ ድማ ካብ ልፍንቲ ሰልፍታት ናብ ሓደ ሰልፊ ምቕያር ዘይኮነስ ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ክልላት ንዘመሓድራ ሰልፍታት ኣብ ልፍንቲ ፌደራል ከም ዝጽንበራን ምግባርን ኣብ ኣመራርሓ እቲ ልፍንቲ ኩለን ሰልፍታት ከም ዝመጽኣሉ ቁጽሪ ብዝሒህዝቢ ዝተመጣጠነ ውክልና ከም ዝህልወን ምግባር’ዩ።ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ፍትሓዊ ውክልና ናብ ዝረኣየሉ ሓቛፊ ዝኾነ ልፍንቲ ምቕያር ኣመራርሓ ብሄር ብሄረሰባት ከም ዝዝትዩሉ ምግባርን ኣድላዪ ዝኾነ መድረኽ ዝርርብ ልሂቃን ንክፍጠር ሓጋዚ’ዩ።እዚ ድማ ነታ ሃገር ዘመሓድሩ ልሂቃን ብሄራት ንዝህልዎም ቅሬታታት ናብ ህዝቢ ከይበጽሐ እንከሎ ብደረጃ መሪሕነት ተዛትዮም ንክፈትሕዎ ከኽእሎም’ዩ።

ንልፍንቲ ኢህወደግ ኣፍሪስካ ናብ ሓደ ሰልፊ ምቕያር ዝተቓወምኩሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ስጉምቲ ብወገን ህወሓት ተቐባልነት ከም ዘይረክብን እዚ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ንዝነበረ ዘይምስናይ ብምብኣስ ናብ ውግእ ሕድሕድ ከምርሕ ከም ዝኽእል ብምስጋአይ’ዩ ኔሩ።መንግስትን ሰልፍን ተሓናፊጾም ንሃገር ኣብ ዝመሓድርሉ ጭቡጥ ኩነታት ንሓንቲ ክልል ዘመሓድር ሰልፊ ምስ መንግስቲ ፌደራል ተጻሊኡ እንተደኣ ተባቲኹ እታ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ብሓባር ዝሰርሕሉ መንገዲ ጸቢብ’ዩ ዝኸውን።ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ትካላት መንግስትን ጸጥታን ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ገሊኦም ብድሌቶም ገሊኦም ድማ ብሓይሊ ካብ ስርሖም ይወጹ ስለ ዝነበሩ ንትግራይን ፌደራልን ዘተኣሳስር እንኮ ትካል ልፍንቲ ኢህወደግ ጥራይ’ዩ ኔሩ።ህወሓት ካብቲ ልፍንቲ ኢህወደግ ወጺኡ ማለት እታ ንመቐለን ኣዲስ ኣበባን ዘተኣሳሰረት ቀጣን ገመድ ክትብተኽ’ያ ማለት’ዩ።ብሰንኪ ለውጢ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዘለዉ ሓይልታት ፖለቲካ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣት ህላወ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ ኩነታት ፡ብደምን ኣዕጽምትን ደቁ ንዝሃነጾን ን45 ዓመታት ዝመርሖን ውድብ ምፍራስ ነቲ ስግኣት ዝያዳ ኣብኢሱ ናብ ውግእ ከምርሕ ይኽእል’ዩ ኢለ ፈራሕኩ።ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ንኢህወደግ ኣብ ክንዲ ምፍራስ ናይ ኣወዳድባ ኣሰራርሓን ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብምግባር ምሕዳስ’ዩ ብምባል ተማጎትኩ።ነዚ መማጎቲ ሓሳበይ እዚ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወሃብ መልሲ “ህወሓት ልዕልና ስለ ዝለመደ ኣብ ውሽጢ እቲ ልፍንቲ ንዝህሉ ፍትሓዊ ውክልና ኣይቕበልን’ዩ” ዝብል’ዩ ኔሩ።ኣነ ግን ምስ መራሕቲ ህወሓት እገብሮ ኣብ ዝነበረ ርክባት ዝተረዳእኩዎ ፡ኣብ ውሽጢ እቲ ልፍንቲ ዝነበሮም ውክልና ብምጉዳሉ ዋላ’ኳ ባህ እንተዘይ በሎም ብዝሰኸነን ኩለመዳያዊ ብዝኾነ ዝርርብ ክኣምኑ ከም ዝኽእሉ’ዩ ኔሩ።ነዚ ሓሳብ እዚ ምስ ኣቕረብኩ ” ካባና መዋእልና ምስኦም ካብ ዝነበርና ንላዕሊ ንስኻ ትማሊ ዝመጻእካ ከመይ ጌርካ ትፈልጦም?” ብምባል ንሓሳበይ ይነጽጎ ነበረ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles