back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ኡጋንዳ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጻዉዒት ቐሪቡ

ብዕለት 31 ጥሪ 2025፡ ብመንገዲ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ናይ’ታ ሃገር፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ሱዳን ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምርጋጋጹ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጸዊዑ። እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ነቲ ብ ዕለት 30 ጥሪ ዝወጸ፡ 44 ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፡ ምስቲ ለበዳ ብዝተኣሳሰር ንሕክምናዊ ክንክን ተለሊዮም ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ፡ ዝኾነ ይኹን ጥርጡር ምስ ዘጋጥም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብቕልጡፍ ክሕብሩ ኣተሓሳስቡ ምህላዉ ኣዘኻኽሩ። እቲ ብማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ዘወጸ ሓበሬታ ኣስዒቡ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢታ ሃገር ነቲ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምህላዉ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።

ኢቲ ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ትሽዓተ ግዜ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ከምዘጋጠመ ዝሓበረ ጻዉዒት፡ ንውድብ ጥዕና ዓለም ብምጥቃስ፡ እቲ ለበዳ ኣስታት 50% ሞት ከምዘስዕብ ሓቢሩ። ምልክታት እቲ ሕማም፡  ሕማም ርእሲ፡ ተምላስ ቃንዛ ጭዋዳታትን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ምፍሳስ ደምን ከምዘጠቓልል እቲ ጻዉዒት የብርህ። ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ሕማም ለበዳ ኢቦላ ሱዳን፡ ሓደ ወዲ 29 ዓመት ነርስ ከምዝሞተ፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ብምጥቃስ፡ እቲ ጻዉዒት ኣረግጋጹ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles