back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ትግራይ፡ ‘ዓጸቦ ከም መሳርሒ ኲናት’ ታሪኽ ከይድገም የስግእ

ኣብ 1970ታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንናጽነት ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይን ናጽነት ትግራይን ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ እናሓየለ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋን እዩ ኔሩ። በዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ኔሩ። ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ስርዓታት ሃይለ ስላሰን ደርግን ተበራርዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረድዎ በደል ናይ ምንቅስቓስን ምስራሕን ዕፈናን ንህዝቢ ዓቕሉ ኣጽቢብሉ ኔሩ። 

እዚ ከምዚ’ሉ እናሃለወ ካብ 1983 ክሳብ 1985 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ክፍለሃገራት ጎጃም፡ ሃረርጌ፡ ትግራይን ወሎን ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት ኤርትራን ብዓቐኑ ኣዝዩ ውሑድ ዝናብ ብምህራሙ ዘራእቲ በቑሉ ፍረ ክህብ ኣይከኣለን፡ ዝነበረ ኲናትን ዘይምርግጋእን ተወሲኽዎ ኣብ 20 ክፍለዘመን እቲ ዝኸፍአ ጥሜትን ዓጸቦን ኣኸቲሉ። 

ብመሰረት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኸተ ዓጸቦ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ልዕሊ 200 ሽሕ ህጻናት ድማ ብዘይ ኣቦን ኣደን ብምትራፎም ዘክታማት ክኾኑ ተገዲዶም። ጽልዋን ስምብራትን እቲ ዓጸቦ ድማ ንዝተናውሐ እዋን ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ። በቲ ዓጸቦ ዝያዳ ዝተጠቕዐት ክፍለሃገር ድማ ትግራይ እያ ኔራ። 

እቲ ዓጸቦ ብሓፈሻ ሕጽረት ዝናብን ምቅይያር ክሊማን ዘኸተሎ ምኳኑኳ እንተተገልጸ እቲ ሓቂ ግን ሕጽረት ዝናብ ኣጋዲድዎ ደኣ እንበር ብቐንዱ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ኣንጻር ዕጡቓት ስርሒታት የካይድ ኣለኹ ብዝብል ምስምስ ዝተከተሎ ንዓመታት ዝቐጸለ ፖሊሲ ከምዝነበረ ማእከል ማሕበራት ተራድኦ ‘ኦክስፋም’ ኣብ ዘካየደ መጽናዕቲ ይገልጽ። 

ኣርእስትና ብዛዕባ ትግራይ ብምኳኑ እቲ ጉዳይ ናብቲ ከባቢ ኣተኲርና ምስ እንርእዮ ኣብ 1977 መራሒ ኢትዮጵያ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለ ማርያም ኣብ ልዕሊ ክፍለሃገር ዝተከተሎ ናይ ምዕጻው ፖሊሲ ህዝቢ ከይንቀሳቐስ፡ ከይሓርስ፡ ከይንግድን ካልእ ዝእግድ እዩ ኔሩ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ህዝቢ ምስቲ ምንቅስቓሱ እናሓየለ ዝመጽእ ዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይመጻደቕን ይተሓጋገዝን እዩ ብዝብል ምኽኒት ህዝቢ ከምዘይንቀሳቐስን ከምዝተምን ጌሩ እዩ። ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ከምዝኸውን ብምግባር ብዝወሃቦ ናይ ረዲኤት መቑነን ጥራይ ከምዝነብርን ከምዘይዓብን ተጌሩ። ኣብ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ትሕተ ቅርጺ ከምዘይህነጽን ወፍሪ ከምዘይካየድን ብምግባር ኣብ ውሽጣ ዝነብር ድኻ ህዝቢ ኮይኑ ከምዝቕጽል ተሰሪሑ።  

ኣብ 1983ን ድሕሪኡን ዓጸቦ ድሕሪ ምኽሳቱ ድማ ንህዝቢ ዝተባህለ ብማሕበረሰብ ዝተለገሰ ረዲኤት ብግቡእ ናብ ህዝቢ ከምዘይበጽሕ ምግባሩ ነቲ ጥሜት ዝያዳ ኣጋዲድዎ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነበረ ህዝቢ እኹል ረዲኤት እንተተዋሂቡ ንዕጡቓት ህወሓት ክናብዮም እዩ ብዝብል ምስምስ ሕዝቢ ብኣልማማ ናብ ዓጸቦ ንከምርሕ ተሰሪሕሉ። ብፍላይ ናብቲ ህወሓት ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ከባቢታት መግቢ ይኹን ረዲኤት ከምዘይኣቱ ጌሩ። እዚ ፖሊሲ ድማ ሞት ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣኸቲሉ። በዚ ድማ ስርዓት ደርግ ንዓጸቦ ከም መሳርሒ ኲናት ከምዝተጠቕመሉ ኦክስፋም(oxfam) ብተወሳኺ ይሕብር። 

ሕጂ ድማ ድሕሪ 37 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተመሳሳሊ ኩነታት ይርአ ብምህላዉ ኣብቲ ከባቢ ታሪኽ ይድገም ከይህሉ ተዓዘብቲ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። 

ከምዝፍለጥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ብምዝርግሑ ሓያሎ ሃገራት ጽኑዕ ናይ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ሕጋጋት ኣተኣታትየን እየን፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ወራር ኣንበጣን ዕልቕልቕ ማይን ተራእዩ፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ መተነ ሰፊሕ ናይ ኣንበጣ ወራር ኣጋጢሙን ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከውርድን ጸኒሑ። 

ክልል ትግራይ ብፍላይ ድማ ሓረስቶት ኣብ ምክልኻል ኣንበጣን ካብ ባልዕ ዝንተረፈ ኣእካል ኣብ ምዕጻድን እንሃለወ ኣብ መንጎ ህወሓትን ሰራዊት ምክልኻል ፈደረላዊ ማእከላይ መንግስትን ኲናት ተወሊዑ። 

ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር’ ተባሂሉ ክካየድ ዝቐነየ ዂናት ክልል ትግራይ ብ360 ዲግሪ ተኸቢባ ናይ መሬትን ኣየርን መጓዓዝያ ከምዝዕጾ ተጌሩ፡ ኤሌክትርሲቲ ተሌፎን ኢንተርነትን ተቛሪጹ፡ ኣገልግሎት ባንክን ምትሕልላፍ ገንዘብን ተኸልኪሉ፡ ማሕበራት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጋዜጠኛታት ከይኣትዉ ተኸልኪሎም እናሃለዉ እዩ ተኻይዱ። 

መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕነት ህወሓት ብውሑዳት ሰባት ዝምራሕ ‘ጁንታ’ እዩ ንዓዓቶም ናብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነታ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ብዝብልኳ እንተጀመረ ኣብቲ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኮይኑ ንልዕሊ ወርሒ ዝቐጸለ ኲናት ግን ህዝቢ ብጃምላ ዝቐጽዐን ዝዓጸወን እዩ ኮይኑ ዘሎ። 

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናትን ምዕጻውን ድሮ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ሚልዮናት ድማ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ገሊጸን ኣለዋ። 

ዛጊት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ከምዝተመዛበሉ ክግመት እንከሎ ካብቲ ዓሰርተታት ዓሽሓት ድማ ቤት ብንረቶም ራሕሪሖም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ ውሽቲ ትግራይ ተዓቑቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ስደቶም ከኣኽሎም ዳግማይ ክከላበቱ ተቐሲቦም ኣለዉ። 

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘጸኦ መግለጺ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ጥርዚ መጠነ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝርከብ ብምግላጽ መንግስቲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰብኣዊ ሓገዝ ከፍቅድ ጸዊዑ ኣሎ። 

ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችሌት ብወገና ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ‘ኣሻቓልን ቅልጡፍ ለውጥታት ዘርኢ ዘሎ ሓደገኛን’ ኢላ ክትገልጽ እንከላ ኣብ ልእሊ ሰባት ተፈጺሙ ዘሎ በደላት ብናጻን ዘሻራዊ ኣካል ክርአ ጸዊዓ። 

እንተኾነ ኣፈና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኮነት ቢሌን ስዩም ንጻውዒት እታ ኮምሽነር ብምንጻግ ‘ብዛዕባ ትግራይ ይኩን ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዘሻቕል ከምዘየለ’ ኢትዮጵያ ድማ ሕጊ ከተስተግብርን ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምግላጽ መንግስቲ ተኻይዱ ንዝበሃል ጃምላዊ ቅትለትን ሰብኣዊ በደልን ባዕሉ ክምርምሮ ምኳኑ ገሊጻ። 

እቲ ተካይዱ ዝበሃል ‘ጃምላዊ ቅትለትን በደል ኣብ ልዕሉ ሰብኣውነትን’ ብክልቲኦም ማለት ብወገን ሕወሓትን ማእከላይ መንግስትን ተኻይዱ ከይከውን እዩ ዝስጋእ፡ ኣፈኛ መንግስቲ ነቲ በደል ብናጻ ኣካል ክምርመር ንዝብል ጻውዒት ምንጻጋ ዝተሓብአ በደል ከምዘሎ የተንብህ። 

ቤን ካርዲን ጂም ሪሸን ዝተባህሉ ክልተ ኣባላት ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን እገዳታት ክትገብር ጸዊዖም ኣለዉ። ንሳቶም ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት በደል ፈጺማ ጥራይ ዘይኮነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ሓደጋ የእትያቶ ከምዘላ ገሊጾም።   

ኣብዚ ኩነታት እዚ ዓይኒ ማሕበረሰብ ኣለም ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢይ ኣሕመድ እየን ዘቋምታ ዘለዋ፡ ብዙሓት ድማ ዝሓለፈ ዓመት ሽልማስ ሰላም ኖቤል ዝተዓወተ ኣብ ዓመቱ ድማ ሃገሩ ናብ ኲናት ዝሸመመ ክብሉ ብምግራም ይገልጽዎ ኣለዉ። 

እዚ ኲናት’ዚ መን ጀሚርዎ ብዘየገድስ ኣቢይ ኣሕመድ መራሒ ሃገር ብምኳኑ እሞ ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝተፈጥረ ፍልልይ ብሰላም ፈትሖ ዘይምኽኣሉ ኩሉ ግዜ ዝሕመየሉን ኩነታት ከምዚ እንተቐጺሉ ድማ ዝሕተተሉን ክኸውን እዩ። 

ብጻውዒት ሰላም፡ ምእሳር ናይ ፖለቲካ እሱራትን ‘ተደመር’ ዝብል ጭርሖ ሒዙ ዝመጸ ኣቢይ ኣሕመድ ወተሃደር ዝነበረ ክሳብ ናይ ሌተናን ኮለኔል ማዕር ዝበጽሐኳ እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሲቪላዊ መራሒ እዩ፡ እንተኾነ ንሱ ስሕት ኢሉ ወተሃደራዊ ልብሲ ዝለብስን ስእሊ ዝፈቱን ከምኡ’ውን ኣዘራርባኡን እናቐየረ ክመጽእ ብምጽንሑ ‘ናብ ሓውሲ ውልቀ መላኺ’ ዝተቐየረ ይመስል። 

ንሱ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ብምብጻሕ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘመዝገብዎ ዓወት ከመጉስ እንከሎ ኣብ ትግራይ ዝተማልአ ሰላም ክህሉ እንተደኣ ኮይኑ ህዝቢ ንመራሕቲ ሕወሓት ኣሕሊፉ ክህቦምን ኣብ ዘለዉዎ ክጥቁሞምን ጸዊዑ። ሕጂ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ መወዳእታ ሓላፍነት ንህዝቢ እዩ ዘረክቦ ዘሎ። 

ንምዝኽኻር ዝኣክል ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኦስሎ – ኖርወይ ተረኺቡ ናይ ሰላም ኖቤል ድሕሪ ምሽላሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ክጅመር እንከሎ መንእሰይ ወተሃደር እየ ኔረ፡ ናይ ኲናት ዕንወትን ጥፍኣትን ብኣካል ኣብ ግንባራት ዝረኣኹ እየ’ ክብል ገሊጹ ኔሩ። 

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ዶብ ግጭትን ን20 ዓመት  ሰፊኑ ዝነበረ ኣይሰላም ኣይኲናት ብሰላም መገዲ ክፍታሕ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ኖቤል ዝተሸለመ ኣቢ ኣሕመድ ብተወሳኺ ‘ኲናት ንኹሎም ዝሳተፍዎ ወገናት ገሃነም እዩ፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ኣሕዋት ነንሕድሕዶም ክዳብሑ ርእየ’፡ ‘ብሰንኪ ሰብዳባትን ተኹሲ ጠያይትን ህጻናት ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ብራዕዲ ከንቀጥቅጡ ርእየ’፡ ‘ኲናት ንሰባት ናብ ልቢ ዘይብሎም ኣረሜናት ክቕይሮም ተዓዚበ’፡ ‘ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘውርዶ ጭካኔ ተገንዚበ’፡ ‘ዳርጋ ምልእቲ ኣሃዱአይ ብደብዳብ ክትድምሰስ ምስክር ኔረ’ ብምባል ኲናት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ህልቂት፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባን ትሕተቕርጽን ዘውርዶ ዕንወት፡ ዘኸትሎ ናይ ደቂ ሰባት ምምዝባልን ካልእ ጉድቱን ዘርዚሩ። 

ንኲናት ዘጸባብቑን ዝውድሱን፡ ንኲናት ዘደማምቑን ዘወዓውዑን እቶም ኲናት ዘይረኣዩን እቶም ኲናት ዘስዕቦ ፍርሒ፡ ሓዘን፡ ልቢ ምስባር፡ ዕንወትን ህልቂትን ዘይረኣዩ ምኳኑም ብምግላጽ ኣብ ቅድሚ ኣለም በሰላም እንድታድር ጎረቤትህ ሰላም ይደር ‘ብሰላም ክትሓድር ጎረቤትካ ብሰላም ይሕደር’ ዝብል ምስላ ብምቕራብ ሰላም ክጥጥዕ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ። 

እንተኾነ ኣብ ዓመት ዘይመልእ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ተሸሚማ፡ ህዝቢ ተደብዲቡ፡ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም፡ ስድራቤታት ተበታቲነን፡ ራዕዲ ተፈጢሩ ኣንፋር ኩሉ እቲ ኣቢይ ዝበሎ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ። 

እዚ ጽሑፍ ኣብ ሬድዮ ኤረና ተነቢቡ ዝቀረበ እዩ….

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles