back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕነት ሕወሓት ዘለውዎ ቦታ ንዝሓበረ 10 ሚልዮን ብር ከምዝሽልሞ ሓቢሩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ናይታ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ንዝሓበረ 10 ሚልዮን ብር ክሽልሞ ከምዝኾነ ሎሚ ዓርቢ 18 ታሕሳስ ኣፍሊጡ። እቲ ሽልማት እቶም ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ዘለውዎ ቦታ ንዝሓበረን፡ ኣሕሊፉ ንዝሃበን ኣካል፡ ዝብርከት ምዃኑ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ። ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዝቀጸለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብቀዳም 28 ሕዳር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ እቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት ዝበሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ተወዲኡ ክብል ኡኳ እንተገለጾ፡ ይኹን እምበር ንህወሓት እሙናት ዝኾኑ ዕጡቓትን፡ ምልሻን ናብ በረኸታት ብምንስሓብ ገና ምስ ሰራዊት መንግስቲ ይዋግኡ ከምዘለው ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles