መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ናይታ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ንዝሓበረ 10 ሚልዮን ብር ክሽልሞ ከምዝኾነ ሎሚ ዓርቢ 18 ታሕሳስ ኣፍሊጡ። እቲ ሽልማት እቶም ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ዘለውዎ ቦታ ንዝሓበረን፡ ኣሕሊፉ ንዝሃበን ኣካል፡ ዝብርከት ምዃኑ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ። ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዝቀጸለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብቀዳም 28 ሕዳር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ እቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት ዝበሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ተወዲኡ ክብል ኡኳ እንተገለጾ፡ ይኹን እምበር ንህወሓት እሙናት ዝኾኑ ዕጡቓትን፡ ምልሻን ናብ በረኸታት ብምንስሓብ ገና ምስ ሰራዊት መንግስቲ ይዋግኡ ከምዘለው ይፍለጥ።