back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ሃይለ ቢዘን “ኮይነ ኣለኹ ንበል” ብዝብል ግጥሚ ናይ ክብሪ ሽልማት ተዓዲሉ።

ነቲ ብሉጽ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓቱ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ሃይለ ቢዘን “ኮይነ ኣለኹ ንበል” ብዝብል እኩብ ግጥሚ ናይዚ ዓመት ብሉጽ – ናይ ጽሑፍ  ተሸላሚ ኮይኑ። እዚ ብማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ፡ ምስ ሎ-ኩልቱርን ( ምስ ኮንፈደረሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኖርወይ ዝተኣሳሰር ባህላዊ ተበግሶ) ፋግፎርቡንደትን ዝተባህለ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ብምትሕብባር ዝወሃብ ሽልማት፡ ብ28 ግንቦት ኣብ ሊለሃመር ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ስነ-ጽሑፍ ከም ዝተዋህበ፡ መርበብ ሓበሬታ forfatterforbundet.no ጸብጺባ።

ሃይለ ቢዘን፡ ኤርትራዊ ገጣሚ፡ ኣሰናዳኢ፡ ተርጓሚን ጋዜጠኛን፡  እኩብ ጽሑፋት ብምቕራብ፡ ኣብ ኖርወይ ንፈለማ እዋን ብዘደንቕ ምርኢት ኣካይዱ። ሃይለ ኣብ 2009 ካብ ዓዱ ወጺኡ፡ ኣብ 2011 ከም ነጻ ጸሓፊ ናብ ክርስቲያንሳንድ ኣትዩ። “ኣነ እየ ንበል” ‘ትብል ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓቱ፡ ኣብ ኖርወይ ንመጀመርታ ግዜ ዝተሓትመት ስርሑ እያ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ዳያኑ፡ እኩባት ስራሓት ሃይለ ቢዘን ዘንጸባርቕዎ፡ ንባህላዊ ርክባት፡ ሓዘን፡ ቁጥዐን ክሳራን ዝምልከት ቴማታት ዝምልከት ሓያል ቋንቋን ህያው ምስልን ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም። እቶም ቅርጥዉን ፍንውን መልክዕ ዝተጻሕፉ ግጥምታት፡ ኣንበብቲ ብዕምቆት ከስተንትኑን ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጉማት ኣብ ኣእምሮኦም ክስእሉን ዝዕድም እዩ፡ ይብል እቲ ኣብታ መርበብ ሓበሬታ ዘሰፈረ ጸብጻብ። ስራሕቲ ሃይለ ቢዘን ኣብ ክልተ ባህልታት ምዃን ፍሉይ ኣረኣእያ ከም ዝህብን ንሕብረተሰብ ንምርኣይ ሓድሽ መነጽር ከም ዝህብን ዳያኑ ኣመልኪቶም።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ሽልማት ዝረኸበ ግጥሚ ሃይለ ቢዘን ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ዓምዲ ማሕበር ጸሓፍቲ ኪቦርድ ቻት ክቐርብ ምዃኑን፡ ኣንበብቲ ኣብቲ ጽልዋ ዘለዎ ስነ-ጽሑፋዊ ዓለሙ ዕምቆት ክረኽቡ ዕድል ከም ዝህብን ይሕብር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles