ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ይገብር፡ ሓንቲ ጉጅለ ምሁራን ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ነባሪ ዕርቀ-ሰላም ክግበር ብምጥላብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ መልእኽቲ ሰዲዳ ዝብል ዜና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝበጽሖ መልእኽቲ መልሲ ከምዝሃበሉ ሕጂ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተሰሚዑ። ኣብ መልሱ፡ እቲ መንግስቲ ልዝብ ብዝበለ ኣገባብ ህወሓት (ወያኔ) ዘለዎ ሕቡእ ዕላማን ኣጀንዳታቱን ብደቂቕ ከም ዝፈልጦ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ዝበጽሖ ንሰላም ዝጽውዕ መልእኽቲ ብቐዳምነት ንህወሓት ክቐርበሉ ከምዝግባእ ኣታሓሳሲቡ።
ብወገንና፡ እቲ ተሰዲዱ ዝተባህለ ናይ ሰላም መልእኽቲ እወንታዊን ዝድገፍን ኰይኑ ንረኽቦ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝነብሩ ህዝብታት፣ ብትሑት መነባብሮ ጥራይ ዘይኰነ፡ ድርቅን ወራር ኣንበጣን ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ብዝፈጠርዎ ጥሜት’ውን ክሳቐዩ ዝጸንሑ ህዝብታት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ከይኣክል፡ መብዛሕትኡ ግዳማውያን ሓይልታት ብዝቕስቅስዎ ሰበብ፡ መንግስታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን’ቲ ዞባ እናሻዕ ኣንጻር ሓድሕዶም ብዘካይድዎ ግጭትን ኲናትን፡ ሃገራት ክበርሳ ህዝብታተን ከኣ ንህልቂትን ስደትን ክቃልዑ ጸኒሖም። ስለዝኾነ ከኣ፡ ነቲ ዞባ ዘድልዮ ነገር ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሰላም ምዃኑ ንማንም ብሩህ እዩ። ናብቲ ዞባ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ልቦናዊ ወይ ግብራዊ ተበግሶ ዝወስድ ዝዀነ ይኹን ኣካል’ምበኣር ክምስገንን ክድገፍን እዩ ዝግብኦ። ብመንጽር እዚ ስነ-መጎት’ዚ ክርኤ ከሎ፡ እቲ ዲያስፖራ ተጋሩ ሰዲዶሞ ዝተባህለ መልእኽቲ ከምሓሳብ ዝገጥሞ ተቓውሞ ኣይህሉን። ብኻልእ መዳያቱ ክግምገም ከሎ ግን ኣሻቓሊን ሕቶታት ዘልዕልን ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ናብቶም ክለዓሉ ዝኽእሉን ዝግብኦምን ሕቶታት ቅድሚ ምስጋርና ግን መጀመርያ ክንጸር ዝግብኦ ሓደ ነጥቢ ኣሎ።
ትግራይ ብዛዕባ ኤርትራ እተአንግዶም ስምዒታት
ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ከም ኩሎም ካልኦት ህዝብታት፡ ዕለታዊ ህይወቶም ካብ ምምራሕን ናብራኦም ንኸመሓይሹ ካብ ምጽዓርን ሓሊፎም፡ ንጐረቤት ሕዝብታት ብዓይኒ ጽልኢ ዝጥምቱሉን ተጻብኦ ዝጥጅኡሉን ምኽንያት ይኹን ረብሓ የብሎምን። ካብ ምሁራን እቲ ክልል’ውን ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ዝምነዩ፣ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ ይኹን ማሕበረ-ሰብ ትግራይ በብወገኖም ዝማዕበሉሎም ዝተፈላለዩ ነናቶም ናይ ታሪኽ ጉዕዞታት ከምዘለዉዎም ዝፈልጡን ዝቕበሉን፣ ክልቲኦም ማሕበራተ-ሰብ ብሰላምን ብሰናይ ጉርብትናን ክነብሩ ከምዝግባእ ዝኣምኑ፣ ብዙሓት ሰብ ሕልና ውልቀ-ሰባት ከምዘለዉ ክስመረሉ ይግባእ። ንኸምዚኦም ዝበሉ ሓቅን ሰላምን ዘቐድሙ ክፋላት ህዝቢ ትግራይ፡ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን እንተዘይኰይኑ ካልእ ክቐርበሎም ዝኽእል ወቐሳ፡ ክሲ ይኹን ነቐፌታ ክህሉ ኣይክእልን።
ብኣንጻሩ ግን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ካብዘለው ምሁራን ትግራይ መብዛሕትኦም ብቅንእን ርእሰ-ምትሓትን ተጐቢኦም፣ ጽልኢ ጐረቤት ህዝብታት ክሰብኩ፡ ተጻብኦታት ከሳውሩ፡ ኣብ ዘይዓቕሞም ክፍክሩን ታሪኽ ጠማዚዞም ምስ ሕልሞም ክቓንዩን ከይደቀሱ ዝሓድሩ እዮም። ነዞም ጸረ-ሰላምን ጸረ-ሕጋውነትን ዝዀኑ ምሁራን ተጋሩ ምስ ካልኦት ልሂቃን’ታ ክልል ዘሕብሮምን ዘደጋግፎምን ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ከኣ፣ ነቶም ዝቐንኡሎምን ዝጸልእዎምን ጐረቤት ህዝብታት ብኲናት ኣንበርኪኾም፡ መሬቶም ገቢቶም “ዓባይ ሃገረ ትግራይ” ንኽምስርቱ ዘለዎም ዘይጭበጥ ሕልሞም እዩ። ነዚ ሕልሚ’ዚ ክውን ንኽገብሩ፡ ልሂቃን ትግራይ ነናተን ንጥፈታት ዘካይዳ፣ ነናይ ብሕተን ስልቲን ስትራትርጂን ዝኽተላ፣ ግን ከኣ ናይ ሓባር ዕላማ ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት/ጥርናፈታት መስሪቶም ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ እዘን ዝስዕባ ጉጅለታት ልሂቃን ትግራይ ብኸምዚ ኣቃውማን ኣሰራርሓን ዝልለያ ኰይነን፡ ተማላሊአን ዝሰርሓ ዘለዋ ጥርናፈታት እየን።
ሀ/ ምሁራን ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን:– እታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም መልእኽቲ ሰዲዳ ዝተባህለት ጉጅለ ምሁራን ዲያስፖራ ተጋሩ፡ ንእሽቶ ክፋል ናይቶም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ደገ ዝነብሩ ምሁራን’ታ ክልል ዝሓቖፈት እያ ክትከውን ትኽእል። ስለዚ፡ ንመንን ንኽንደይን ወኪላ’ያ እዛ ጉጅለ መልእኽቲ ሰዲዳ? ብመሰረቱኸ፡ ናይቲ ዞባ ህልው ኩነታትን ፖለቲካን ብዝምልከት፡ እንታይ ዓይነት መርገጺ እዩ ዘለዋ? ዕላማ መልእኽታኸ ርግጽ ከምቲ ዝተባህለ ሰላም ነጊሱ ውጹዓት ህዝብታት ንክርህዎም ድዩ ወይስ ካልእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኣ ንምስላጥ? እንታይ ውጽኢት ንምርካብ እዩኸ እቲ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ክስደድ ተደልዩ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ክለዓሉ ግድን እዩ። እዚኣቶምን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን ዘቃልዕዎም ምስጢራት ክህልው ስለዝኽእሉ፡ ብዝግባእ ክምርመሩን ክምለሱን የድሊ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ “ንብራኸ ትግራይ” ብዝብል ቴማ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ምሁራን ተጋሩ፡ ኣኼበኛታት ብዛዕባ ኤርትራ ዘለዎም ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዘንጸባርቕ ሓሳብ ቀሪቡ ነሩ። ንሱ ከኣ፡ ኤርትራዊ ዝበሃል መንነት ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ፡ ተጋሩን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብሩ ደገፍቲ ትግራይን ተሓባቢሮም ኤርትራውነት ክሰብሩ ኣለዎም ዝብል እዩ። እቲ ሓሳብ ብሓደ ተሳታፊ ድአ ይቕረብ’ምበር፡ ዝነጸጎ ወይ ዝተቓወሞ ሰብ ብዘይምንባሩ ብኣኼበኛታት ምሉእ ተቐባልነት ከምዝረኸበ እዩ ዘመልክት። ከምዚ ምዃኑ ግን ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን። ህወሓት ባዕሉ ኣብ ዝወለዖ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ካብ ዝሰዓር ጀሚሩ፣ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝርከቡ ምሁራኑ ኣብ ዝገብርዎ ውልቃዊ መደረታትን ኣብ ዝዝርግሕዎ ናይ ኣኼባታቶም ጸብጻባትን፡ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘለዎም ጽልኢ ዝፈጠሮ እከይ ሕልምታቶምን መደባቶምን ከተንብሁ እዮም ጸኒሖም። ገለ ካብቶም ተጻባእቲ መግለጺታቶም፣ “ኤርትራ ዝብል ስም መግዛእቲ ጣልያን ዝፈጠሮ እዩ’ምበር፡ እቲ መሬት ምስ ገማግም ባሕሩ ካብ ዘመነ ኣኽሱም ጀሚሩ ናይ ትግራይ እዩ። ኤርትራዊ ዝበሃል መንነት የልቦን፣ እቲ ትግርኛ-ተዛራቢ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ትግራዋይነት እምበር ካልእ መንነት የብሉን። ስለዝዀነ ከኣ ኤርትራ ዝሓወሰት ዓባይ ትግራይ ክትምስረት ኣለዋ” ዝብሉ ሰላም ዘሪጎም ናብ ኲናት ዝደፋፍኡ ጽውጽዋያት ብቐጻሊ ከቃልሑ ጸኒሖም።
ህወሓት ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዘካየዶ ውግእ፡ ንክልል ትግራይ ንዓመታት ዘይሓዊ ከቢድ ናይ ዕንወት በሰላ እዩ ገዲፉላ። ትሕተ-ቅርጻ ዓንዩ፣ መንእሰያት ዝበዝሕዎም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ሃሊቖም፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣብ ፈቐዶ በራኻን ኣብ ስደትን ይከላበቱ ኣለው። ብተወሳኺ፡ ኣብ ሰፊሕ ክፋል’ታ ክልል ብዝተኸስተ ድርቂን ጥሜትን ሰባት በብመዓልቱ ይሞቱ፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ኩዕንቲን ኣቚጽልቲ መሮርን እናማእረሩ ህይወቶም ከድሕኑ ይቃለሱ ኣለው። ብኸምዚ፡ ኩነታት ክልሎም ከፊኡ ህዝቦም ከኣ ኣብ ዘስካሕክሕ ሽግርን ጸበባን ወዲቑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ልሂቃን ትግራይ ውጹዕ ህዝቦም ካብ ሽግሩ ወጺኡ ከምዝርህዎ ምግባር ቀዳምነት ሂቦም ዝደኽሙሉ ቀንዲ ዕማሞም ክኸውን እዩ ዝግባእ። ንሳቶም ግን ብኣንጻሩ፡ ገማግም ባሕሪ ክውንኑ፡ ልዑላውነት ጐረቤት ሃገር ኣፍሪሶም ግዝኣታ ክግብቱ፡ ሃገራዊ መንነት ህዝባ ሓኺኾም ከጥፍኡ ንዘለዎም እኩይ ሕልሚ ክውን ንምግባር፣ ጸለመ፡ ናይ ሓሶት ትረኻን ዝተሰነዐ ታሪኽን ዘጣመረ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምዝርጋሕ ተጸሚዶም ይርከቡ። እዚ ተግባር’ዚ፡ ተጻብኦ ዝቱኽቱኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውዒሉ ሓዲሩ’ውን ኲናት ዝውልዕ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።
ለ/ ውድብ ህወሓት:– ሓቀኛ ባህሪያት ህወሓት ዘይፈልጥ ሚዛናዊ ሰብ፡ መራሕቲ እቲ ውድብ ብዛዕባ ኤርትራ ዘለዎም መርገጺን ዝኽተልዎ መስመርን፡ ካብቲ ናይ ምሁራን ትግራይ ኣረኣእያ ዝተፈልየ ክኽውን’ዩ ዝግምት። ግን ከምኡ ኣይኰነን። ክልላዊ መንግስቲ ህወሓት በቲ ልሙድ ናይ ርእሰ-ምትላል ሕማሙ ተደሪኹ ንርእሱ “ሃገራዊ መንግስቲ” ስለዝቘጽራ፡ ከም በዓል ኣሜሪካ ናይ ዝኣመሰሉ ኣሸቀልቱ ድጋፍ ከይስእን’ውን ስለዝፈርሕ፣ ልዑላዊ ህላዌ ኤርትራ ብወግዒ ክነጽግን፡ ብዕሊ ምሉእ ግዝኣታ ይብጻሓኒ እዩ ክብልን ኣይደፈረን። ኣብ ክንድኡ መራሕቲ ህወሓት፣ ንኤርትራ ብመዳያት ቁጠባ፡ ዓለም-ለኻዊ ዲፕሎማሲ፡ ማሕበራዊ-ስኒትን ውሽጣዊ ርግኣትን የዳኽሙዋ እዮም ዝበሉዎም ሸርሕታት ብጋህዲን ብሕቡእን ኣብ ምስዋር ይርከቡ። ኣብ 2020-23 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጽንተት ግፍዕታት (ጀኖሳይድ) ስለዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ናይ ጸለመ ፕሮፓጋንዳኦም ክዝርግሑ ጸኒሖም። እቶም ሰራዊት ጌና ኣብ መሬት ትግራይ ከምዘለዉ ብሓሶት ብምኽሳስ፡ ተገዲዶም ከምዝወጹ ክግበር ብቐጻሊ ክልምኑ’ውን ይስምዑ ኣለው። ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣብ ስደት ንዘለው መንእሰያት ኤርትራ ብሃይማኖት፡ ብቛንቋን ብኣውራጃን መቓቒሎም ንሓድሕዶም ከምዝተፋነኑ፣ ብናይ ፈጠራ ፖለቲካዊ ትረኻ መሪዞም’ውን መንነቶም፡ ታሪኾምን ጀጋኑኦምን ከምዝጽየኑ ንምግባር ንዝተሰለፉ ካድረታቶም ኣብ ምውፋርን ስርሒታቶም ኣብ ምምዋልን ብሕቡእ ክሰርሑ ጸኒሖም።
መሪሕነት ህወሓት፡ ንኻልኦት ኸዳህልሉ ደኣ በብግዜኡ ናይ ሰላምን ዕርቅን ድልየት ኣሎና ይበሉ’ምበር፡ ናይ ሓቂ መደቦምስ ንኤርትራ በዚ ዝተባህለ ኣገባብ ኣዳኺሞምን ሰራዊቶም ኣደልዲሎምን ከጥቅዕዋ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ህወሓት ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ነዚ ናይ ምትላል ብልሃት’ዚ ደጋጊሙ ክጥቀመሉ ስለዝተራእየ እዩ። ንሓቅነት’ዚ ትዕዝብቲ ብምድራዕ፣ ናይቲ ውድብ ፈጣሪን ኣባት-ነፍስን ዝኾኑ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ ህወሓት ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ዝፈረመ “ግዜ ንምዕዳግ” ምንባሩ ኣቃሊዖም እዮም። እዚ ማለት፡ ስምምዕ ዝፈረመ ሰላም ደልዩ ዘይኰነስ፡ ዝተዳህከን ዝተበታተነን ሰራዊቱ እኻኺቡ፡ ኣዕጢቑን ኣጠናኺሩን ነቲ ዘይጭበጥ ናይ ዓባይ ትግራይ ሕልሙ ከናዲ እንደገና ኲናት ዝጅምረሉ መቀራረቢ ግዜ ንምርካብ እዩ። ምቅርራባት ይገብር ከምዘሎ ዝምስክሩ ክስተታትን ምልክታትን ከኣ ይረኣዩ ኣለው።
ሐ/ ብሔር-ተኰር ፖለቲካውያን ውድባት ትግራይ:– ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትግራይ 4-5 ዝዀና ንነብሰን ተቓወምቲ “ብሔርተኛ” ኢለን ዝሰመያ ፖለቲካውያን ውድባት ኣለዋ። ሕልሚ ዓባይ ትግራይን ጽልኢ ጐረቤት ህዝብታትን ብዝምልከት፡ እተን ውድባት ካብ ህወሓት ዝተፈልየ መርገጺ ከምዘይብለን ካብ ንጥፈታተንን መግለጺታተንን ክረጋገጽ ይኽእል። ንኣብነት ኣብ 2020 ዓ.ም. ህወሓት ብብዙሕ ፈኽራን ጃህራን ኲናት ክውልዕ ከሎ፡ እዘን ውድባት’ዚአተን ህዝበን ካብ ህልቂትን ዕንወትን ንኸድሕና ብምሕሳብ ነቲ ውግእ ክቃውማኦ ኣይተራእያን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ፡ መብዛሕትኦም መራሕተን ኣብ ጐድኒ’ቲ ውድብ ብምስላፍ እዮም ነቲ ውግእ ተጸምቢሮሞ። ምስ ህወሓት ዘሰሓሕበን ጉዳይ’ምበኣር፡ መሰረታዊ ናይ ስነ-ሓሳብ ወይ ዕላማ ፍልለይ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ንምቁጽጻር ዘካይድኦ ውድድር ጥራይ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፣ ንኤርትራ የዳኽሙ ህዝባ’ውን ይበታትኑ ዝበሎም ተንኰላትን ሽርሕታት ክጫጭሕን ከማሓድርን ዝውዕል ወያኔ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ዘካይድኦ ጸረ-ኤርትራ ንጥፈታት ኢድ የብሉን ኢልካ ምሕሳብ ግርህነት ጥራይ እዩ። ብሕቡእ ናይ ሓሳብ፡ ገንዘብን ኻልእን ድጋፍ ከምዝገብረለን ዝእንፍቱ ትዕዝብትታት’ውን ኣለው።
እታ ልሂቃን ተጋሩ ዝሓልሙዋ “ዓባይ ትግራይ” ኣብ ልዕሊ መቓብር ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ክትህነጽ ስለዝህልዋ፣ ኤርትራ ከምእትበታትን ንምግባር፡ ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ በብመንገደንን ከከምብልሃተንን ዝደኽማሉ ናይ ሓባር ዕማመን እዩ። መብዛሕትአን እዘን ውድባት፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን መዓልታዊ እናኣጸለማን እናጠቀናን ንምፍራስ እታ ሃገር ብቓልዕ ዝሙግታ እየን። ሓደ-ክልተ ካብኣተን ከኣ ዕላማአን ካብዚ ዘይፍለ ኰይኑ፡ ኣሰራርሓአን ግን ሰላማዊ ብዝመስል ኣገባብ ምስ ኤርትራ ተቓራሪበን፡ ምስ ናይ ውሽጢ ዕሱባት ብምምሽጣር ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ተታፋኒኑ ኣብ ግጭትን ኲናትን ከምዝኣቱ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ንኣብነት፡ ሳልሳይ ወያኔ ዝተባህለ ውድብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኤርትራ ሰላም መስሪትና፡ ምሳና ክተሓጋገዝ ምስ ዝደሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኣለና ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ ኣቃሊሑ። ንክልተኣዊ ረብሓ ምስ ሃገረ ኤርትራ ክተሓጋገዝ ዝደሊ ዝዀነ ግዳማዊ ኣካል፡ ጽምዶኡ ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ክገብር እዩ ዝግባእ። ነዚ ገዲፉ፡ ምስ ሓደ “ፖለቲካዊ ሓይሊ” ክሻረኽ ዝደሊ ኣካል ግን ናይ ተንኰል ተልእኮ ዘለዎ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዝዀነ ከኣ፣ ውድባት ትግራይ በብግዜኡ ንዝኣልምዎም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ተንኰል መናውራታት፡ ሃገራውያን ኤርትራውያን መኪቶም ከፍሽልዎም ይግባእ።
ንቕሓትን ትኩርነትን፡ ሽርሒ ጸላኢ ንምምካን
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን፡ ልቦናዊ ጥምረት ወይ ተማላላእነት ናይ ዝተፈላለዩ ጥርናፈታት ልሂቃን ትግራይ ዘግህዱ እዮም። ተግባራቶምን መግለጺታቶምን ከምዝእንፍትዎ፣ ቀንዲ ዕላማ ልሂቃን ትግራይ እዚ ዝስዕብ እዩ፡- ምሁራን ተጋሩ፡ ካድረታት ወያኔ፡ ተቓወምቲ ውድባትን በብወገኖም ጸረ-ኤርትራ ጸለመን ናይ ሓሶት ትረኻን ብምዝርጋሕ ህዝባ በታቲኖም የዳኽሙዋ። ድሕሪ’ዚ፣ ሰራዊት ወያኔ ን”ዝተዳኸመት ኤርትራ” ወሪሮም መንግስታ የፍርሱ’ሞ፡ ንግዝኣታ ምስ ትግራይ ይጽምብርዎ!! ምስጢራዊ መደቦም እዚ ኰይኑ ከብቅዕ፡ ሓደ ጉጅለ ዲያስፖራ ተጋሩ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ልኢኹ ንሰላም ምጽዋዑ፡ ሓቅነትን ቅንዕናን ዘይብሉ ናይ ሸፈጥ መልእኽቲ ምዃኑ’ዩ ዝምስክር። ንኤርትራ ከፍርሱን ህዝባ ክበታትኑን ዝተዓጥቁ፡ ዝተፈላለዩ ጥርናፈታት ልሂቃን ትግራይ ንዓመታት ክገብርዎ ዝጸንሑ ጸለመ፡ ፈኸራን ናይ ጽልኢ ጐስጓስን ከይተቓወምካን ከየወገዝካን ንሰላም ምጽዋዕ፣ ግዳያትካ ንምድህላል ዝግበር ናይ ተንኰልን ሽርሕን ተግባር እዩ። ኣብ ርእሲኡ ከኣ (ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መልሱ ዝጸቐተሉ)፡ ተጻብኦን ውግእን ንዘሳውር ዘሎ ወያኔ ሰላም ግበር ዘይበልካስ፡ ግዳይ ጽልኢን ተንኰልን ልሂቃን ተጋሩ ካብ ዝዀነ ወገን ሰላም ምጥላብ ምስሉይነት እዩ።
ንወያኔ ብኹለንትናኡ ካብ “ሻዕቢያ” ንላዕሊ ኣዳቒቑ ዝፈልጦ ኣካል ከምዘየለ፡ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብቐረባ ክከታተል ዝጸንሐ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብቲ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ደማዊ ኲናትን ዝተፈራረቕዎ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ክልቲኦም ውድባት ርክብ፡ ሻዕቢያ ካብ ተሞክሮኡን ትዕዝብቱን ብዛዕባ ስነ-ልቦና፡ ሓያል ጐድኒ ይኹን ድኽመታት ወያኔ ዓሚቚ ርድኢት ከጥሪ ክኢሉ እዩ። ብተወሳኺ ከኣ፡ ንዓመታት ብዘካየዶ (ሕጂ’ውን ዝቕጽሎ ዘሎ) ደቂቕ መጽናዕትን ስለያዊ ክትትልን፣ ሻዕቢያ ንናይ ወያኔ ሚስጢራዊ መደባት ብረቂቕ ዝፈልጥ ሓይሊ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ወያኔ ደጋጊሙ ዝጥቀመሉ፡ ብሕቡእ ንኲናት ምቅርራባት እናካየድካ ንዓለም ግን ሰላምን ዕርቅን ኢና ንደሊ ብምባል ኣታሊልካ፡ ኣብ ዝጠዓመካ ግዜ ብድንገት ውግእ ናይ ምውላዕ ሽርሒ ንከም ሻዕቢያ ዝኣመሰለ ትኩር ተኸታታሊ ከደናግር ዝኽእል ኣይኰነን። መንግስቲን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንናይ ወያኔ ምንቅስቓሳትን ሕቡእ ኣጀንዳታቶምን ብዝለዓለ ንቕሓትን ትኩርነትን ከምዝከታተሉን፣ ንኹሉ “እንተ”ታት ቅሩባት ምዃኖምን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ሃገራውያን ምሁራንን መንእሰያትን ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ብወገኖም፡ ልሂቃን ትግራይ ንዝፍንውሎም ሽርሕን መናውራታትን ብተመሳሳሊ ንቕሓት ኣለልዮም ከፍሽልዎም ዘወትር ቅሩባትን ውፉያትን ክዀኑ ይግባእ።