back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ መዕቆቢ ማእከል መንጢሉ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሓደ ማእከል መቐበሊ ስደተኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተመንጠለ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን IOM ኣፍሊጡ:: 

እቲ ከተማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ማእከል መቐበሊ ስደተኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተመንጠለ IOM ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ:: 

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ብ12 ታሕሳስ ዘወጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ኣቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መቐበሊ ማእከል IOM ካብ 3 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ትካል ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታታትን ካብ ስደት ተመለስትን (ARRA) ዝበሃል ትካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘሎን ዝኾነ ዓይነት ኣብቲ ማእከል ንዝካየድ ጉዳይ ከመሓድር ድማ ስልጣን ከምዘይብሉን ኣፍሊጡ።

IOM ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ብሓይሊ ከምዘይምልስ፡ ኣብ መስርሕ ምምላስ ስደተኛታት ድማ እቲ ትካል ኣብ ኣዕኑድ ሓለዋ ተሞርኲሱ ሰብኣዊ መሰላት ብዝሕሉ ተመርኪሱ ኣብ ወለንታውነትን ዓለምላኻዊ ሕግታት ምሉእብምሉእ ብዝሓለወ ኣገባብ ከም ዝገበሮ ኣስምሩሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ትካል; እቲ ስደተኛታት ብኣስገዳድ ይምለሱ ኣለው ንዝብል ጸብጻባት ኣመልኪቱ ሻቑሎቱ ብምግላጽ፡ ሃገራት ንሓለዋ በርገሳዊያንን እንተላይ ስደተኛታትን ከውሕሱ ተማሕጺኑ። 

ዓለምለኻዊ ሕግታትን ውዕላትን “Principle of Non-Refoulement” ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰባት ናብ ሓንቲ ሃገር ምስዝምለሱ ጭቖና፡ መቕጻዕቲን ዘውሓዊ ጉድኣት ንከይበጽሖም ዘውሕስ መትከላት ክኽበር ጸዊዑ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles