ኣብ ልዕሊ ንሰብኣዊ ሓገዝ ናብ መዓስከር ስድተኛታት ሽመልባ ዝመርሕ ዝነበረ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ቃፍላይ፡ ተኹሲ ዝኸፈቱ ኣባላት ጸጥታ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኖም፡ ኣፈኛ ናይቲ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝመርሕ ዘሎ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓይሊ ዕማም ኣምበሳድር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ ክትብል ኣሾሾይትድ ፕረስ ሓቢራ።
ኣምበሳድር ሬድዋን ሑሴን ንክልተ ብዘይፍቃድ ክሕለፍ ዘይግብኦ ኬላታት ብምጥሓሶም፡ ደው ክብሉ ስለዘይክኣሉ እቲ ተኹ ከምዝተኸፈተሎም ብምሕባር፡ ናብ ቀይዲ ኣትዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተለቂቆም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ንብዙሓት ዜጋታት ኢትዮጵያን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሰብኣዊ ሓገዝ ተሓሪሞም ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቆም ከምዘለዉ ክሕበር ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ትካላት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ ኣገባብን መንገድን ክናደ ይሓቱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ሰንበት 7 ታሕሳስ ዜናኣ፡ ካብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ዘሎ ረዲኤት ብመገዲ ባጽዕ ክኣቱ ኣብ ዝርርብ ከምዘሎ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።