back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ቃኤላዊ ሓሳብ ቀባሕብሓይ!

…ነይሩ-ነይሩ ሓንቲ ስጉምቲ ንቕድሚት ብዝወስድ__

ክልተ ስጉምታት ፡ ምስ ሕነ-ሕንኡ እኳ ፡ ደኣ___

ንድሕሪት ዝዉንጨፍ ፡ ረጋጽ-ቀልቀሉ፡ ዝ-ዞናኺ..

ንሕስረትን ክብረትን ካብ ሓድ-ሕደን ኪፈልይ ዘይበቅዕ__

ተሪር-ዝቖርበቱ እዩ፡ ‘ቲ ኽፍለ-ዓለምኪ.

ክሳብ-ሎም፡ብዝተጎልበቡ እንተ ተጎልበቡ___

ትምክሕታዊ-ዓሌታዊ ልዕልነት ዘይበትከሎም ዘዉደኽድኹሉ እዩ’ዉን ፡እቲ ዓለምኪ…

ካብ መጽሓፍ ህያው ደብሪ (ትግርኛዊ ቕንየት) ብ ተስፋማርያም ወልደማርያም

ህልዉ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን ክትግምቶ ኣብዘይከኣል ኣሸጋሪ ኩነታት ይርከብ፡፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሑዳት መዓልታት ከምዝዛዝሞ ተስፋ ብምሃብ ዝጀመሮ ኩናት ወርሑ ኣቑጺሩ ይርከብ፡፡ዋላ’ኳ ብወገን መንግስቲ እቲ ዉግእ ከም ዝተዛዘመ መግለጺ ይወሃብ፡፡እቲ ኩናት ገና ይቕጽል ኣሎ ፡ እቶም ‘’ጁንታ’’ ዝተበሃሉ ጉጅለ ገና ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን፡፡ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ተንተንቲ ቀንዲ ተልእኾ እቲ ኩናት ዝተራጠሩ ፡፡ምስዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብምትሕሓዝ ብዙሓት ክልዓሉ ዝኽእሉ ሕቶታት ኣለዉ፡፡ምናልባት ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ መልስታት ከምዝህልዎም ርግጸኛ’የ፡፡እቶም ኣብ ትግራይ ምትእትታዉ ጌሮም ዘለዉ ሓይልታት ብዝሖምን ካበይ ዝመጹን እዮም፡ ዝብል ንግዚኡ ሓዲግና ህዝቢ ትግራይ ግና ኣብዚ ሰዓት ኣብ ክትገልጾ ዘጸግም ጸገማት ከምዘሎ ርዱእ’ዩ፡፡ንልዕሊ ወርሒ ዝኣክል ብዘይ ኤለትሪክን ቴሌፎንን ምህላዉ ኣብዚ ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን እንታይ ማለት ምኻኑ ዘይርድኦ ሰብ እንተልዩ ንኽንገልጸሉ እዉን ክንሽገር ኢና፡፡ኣብዚ ዘመን ቴክኖሎጂ ብዘይ ጸዓት ክስራሕ ዝኽእል ሒደት እዩ፡፡ብፍላይ ድማ ምስቶም ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኮሮናን ኣንበጣን ዕረፍቲ ዘይረኸበ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ኩነታት ብሕልናኻ እንክትዝክሮ ይቐዝሓካ፡፡ኢትዮጵያዉን ኣብዚ እዋን ተጋናጺፍናዮ ዝብልዎ ዓወታት ሰኺሮም ሰብኣዉነቶም ዘንጊዖም ኣብ ፍጹም ጽልኣት ይርከቡ፡፡ነቲ ህዝብና ዝብልዎ ህዝቢ ትግራይ ንስለቶም ‘’ጁንታ’’ ዝበልዎም ንልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ንጥፍኣት ዝፈረድዎ ይመስሉ፡፡ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ተጋሩ ብዛዕባ ስድራቤቶምን መቕርቦምን ደሃይ ብምስኣን ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ፡፡ከምኡዉን ስድራቶም ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ተሻቒሎም ይርከቡ፡፡

ኣህጉርና ኣፍሪቃ ንሽግራታ ባዕላ ክትፈትሕ ዓቕሚ ዘይብላ ልምስቲ ዝገብራ እቶም መራሕቲ ሃገራት ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይሓይሽ ሞራላዊ ስብእና ስለ ዘለዎም ከስሞዑ ኮነ ክሰምዑ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን፡፡ልዑል ተስፋ ዝተገብረሉ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ተሸላሚ ናይ ሰላም ኖበል ዝኾነ ዶተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝረኸቦ ዕድል ክጥቀመሉ ኣይከኣለን ከምቶም ኩሉም መዛንኡ መራሕቲ ናይታ ኣህጉር ክኸዉን ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንይምሰል እንተዘይኮይኑ እዚ ዝበሃል ተበግሶ ክወስዳ ዓቕሚ ክረኽባ ኣይከኣላን፡፡እዚ ድማ ሓድሽ ኣይኮነን ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ሕብረት ከባቢ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሞተ ናይ ቀረባ ተዘክሮ’ዩ፡፡ካብቲ ዘሕዝን ሕጅዉን ኣዒንቲ ኣፍሪቃዉያን ናብተን ገዛእትና ዝንበራ ምዕራባዉያን ብምኻኑ’ዩ፡፡ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ንሕብረት ኤዉሮፓ ሓገዝ ክህቡ ክፍቀደሎም ምንግስቲ ፈደራል ዘፍቀደ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ኣብ ሰቲት ብዛዕባ ሞራል ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሓሳባት ጽሒፈ ነይረ፡፡ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ሽግራትና ናይ ሞራል ከምዝኾነ እኣምን፡፡ሎሚ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ዝተዓዘብክዎ ነገር እንተነይሩ ዉደቀት ሞራላዊ ስብእና ደቂ ሃገር’ዩ፡፡ እዚ ሎሚ ኣብዛ ብናይ ሓሶት ታሪኽ ዝተሃንጸት ኢትዮጵያ እንርእዮ ዘሎና ዓቐኑ ዝሓለፈ ጽልን ቅርሕንትን፡ምቅትታልን ምምዝባልን ፡ኮታ ዘይሲቪላዊ ተርእዮታት ጽባሕ ኣብ ሃገርና ከጋጥም ከም ዝኽእል ምንም ዉሕስነት የብልናን፡፡ ኤርትራዉያን መሪር ሕሰም ዝሓለፍና ጥራይ ዘይኮና ዉግእን ሳዕቤኑን ዝቐመስና ህዝቢ ኢና፡፡ነዚ ግና ብዝግባእ ዝተረዳእናዮ ኣይንመስልን፡፡ዝሓለፈ ሓደ ዘመን ታሪኽና ብዝግባእ ክንርዳእ ኣሎና፡፡ኣብዚ ዕስራ ዓመት ዝወርደና መከራ ኣተሃላልዋናን ብርትዓዊ መንገዲ ምትንታን የድልየና፡፡በዚ ሒዝናዮ ዘለና ስነ-ሓሳብ ሃገር ክነቕዉም ዝከኣል ኣይመስለንን፡፡ንዝተጻሕፈ ብግቡእ ምንባብ የድለየና፡ ንዝበሃል ተጠንቂቕና ክንሰምዕ ይግብኣና፡ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን እንህቦም ሓሳባት ክንሓስበሎም ደጊምና ክንሓስበሎም የድልዩና፡፡ኣሳሰይቲ ሒደት ሕልንኦም ዝሰሓቱ ንጥቕሚ ዝቖሙ ዉልቀ ሰባት ከይንኸዉን ጥንቃቐ የድልየና፡፡

ብመሰረቱ ግና ኣብዚ ዘብጽሓና እንታይ’ዩ? ብኸመይ ኣብዚ ዘለናዮ ኣሎና ? ብርግጽ ተሓታቲ ናይዚ ኩሉ እቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ህግደፍ እዩ፡፡ ኤርትራ ሃገርና ብሳላ መስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ነጻነታ ምስ ረኸበት ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት ኮነ ብሄር ኣዉራጃ ኮነ ወረዳ ብሰላም ሃዲኡ ክነብር ኣይሸገሮን፡፡ንተጋደልቲ ደቁ ኣኽቢሩን ሓብሒቡን፡ ንመራሕቱ ተገዚኡን ተማእዚዙን፡፡ሃገር ተወሪራ ዝበልዎ መንእሰይ ኮነ ሽማግለ ሆ ብምባል ዘሚቱ፡፡እንደገና ዘይምኽኑይ መስዋእቲ ክኸፍል ተገዲዱ፡፡እንተኾነ ድሕርዚ ኩሉ ብመራሕቱ ጥልመት ኣጋጢምዎ፡ ተኣሲሩ ፡ ተቕጥቂጡ ፡ተዋሪዱ ፡ተስዲዱ፡ ኣብ ዶባት ብጠያይቲ ኣሕዋቱ ተሃሪሙን ተቕቲሉን፡ ኣብ ፈቕዶ መዕቆቢ ስደተኛታት ዕድሚኡ በልዩን ይበሊ ኣሎን፡ ኣብ ሰሃራ ሞይቱ ፡ኣካላቱ ናብ ንግዲ ወሪዱ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ተደፍሩን ተዓመጹን፡ ኣብ ባሕሪ ሞቱን ጸምኡን ጠመዩን፡፡እወ ኤርትራዊ ኣብ ሕፍረትን ዉርደትን ክነብር ተግዲዱ ብገዛእ ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ኣያታቱን፡፡ እንበኣርከስ ድሕርዚ ኩሉ ገጢሙና ዘሎ ኣፈላላይ ሕሳባት ቅቡል ኣይኹን እንበር ምኽንያት ኣለዎ ንሱ ድማ ህግደፍ’ዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ብደገፍቲ ህግደፍ ኮነ ተቓወምቲ ዝርአ ዘሎ ጽልእን ጭካነን ኣብ ልዕሊ ወያነ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ከምኡዉን ኢትዮጵያ ኣብ ሕድሕድና ከጋጥም ከም ዝክእል ክንዝንግዕ የብላናን፡፡ንሕና ተራ ዜጋታት ኤርትራዉያን ንወያነ ኮነ ፈደራል መንግስቲ ደጊፍና ተቓዊምና እነምጽኦ ተጽዕኖ ኢሚንት’ዩ ከምቲ ኣጀማምርኡ ይንዋሕ ይሕጸር ክዛዘም’ዩ፡፡እቲ ኣብ መንጎና ዝዝራእ ዘሎ መሪር ዘርኢ ምፍልላይን ድንቁርናን ብእዋኑ ክንሓስበሉን ክነቕሓሉን እንተዘይኪኢልና ንዝመጹ ዓመታትና ክንከስሮም ከምንኽእል ክንግንዘብ ኣሎና፡፡ህግደፍ ንዓመታት ንዝተፋላለዩ ሓይልታት እናወንጀለ ዝኾነ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፖለቲካዉን ለዉጢ ንከየምጽእ ምኽንያት ብምግባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርዑት ባርነቱ ከምዝቖረኖ ሕጅዉን ንሕና ተራ ዜጋታት ደቂ ሃገር ጠንቂ ዘጋጥመና ዘሎ ሽግራት ንኻልኦት ካብ ምልጋብን ምኽሳስን ‘’ናይ ገዛእ ርእስና ጸገማት ሓላፍነት ክንወስድ ንምምሕያሾም ድማ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ተብዓት ክንከዉን ይግብኣና’’፡፡

ብወገነይ ኣብዚ ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ዝሓለፈ ታሪኽና ምፍላጥን ምርዳእን ሓጋዚ ዝኸዉን ነቲ እኽሊ ካብቲ ገፈል ፈላሊና ንትምህርትና ምስ እንጥቀመሉ ጥራይ’ዩ፡፡እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ከም ብዓል ሃገርና ዝኣመሰላ ሃገራት ‘’ነጻነት ሓሳባት’’ ክጻወር ዘይክእል ስርዓታት ክዝወር ብምጽንሑ፡ ንዝተበሃለካ ካብ ምእማን መጻኢ ካልእ ኣምራጺ ኣይጸንሐን ስለዝኾነ እቶም ስልጣን ዝጨበጡ እሊታት ንዕኦም ብዝጥዕሞም መንገዲ ንሕብረተሰብ ክሃንጽዎ ብምጽንሖም ንእለሻ ሓቂ ዘለዎ ዓቕሚ ድሩት ይኸዉን ስለዝኾነ እቲ ዝቐለለ ምርጭኡ ንዝተበሃሎ ምእማን’ዩ፡፡ኣብ ታሪኽና ኣጋጢሙ ዘሎ ዓቢ ኣብነት’ዩ፡፡ሎሚ ንስልጣን ኣቢ ኣሕመድን ኢትዮጵያን ተባሂሉ ሂወት ኤርትራዉያን መንሰያት ዝክፈል ዘሎ ኣብ ታሪኽና ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ኣብሓጎታትና ጭካነ ሊብያዉያን ወታደራት ከዘንትዉ ዝኽኣሉ ንጣልያን ተዓስኪሮም ኣንጻር’ቲ ንመንነቱን ኣይንግዛእን ዝበለ ህዝቢ ልብያ ክዋግኡ ብምኻዶም’ዩ፡እንሆ ድማ ሕጂ ታሪኽ እድገም ኣሎ፡፡ስለዝኾነ’ዩ ድፍረት ዘድልየና ንሓቂ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ፊት ንፊት ክገጥማ ዘሎና ብርግጽ ነዚ ክተገብር ትብዓት የድሊ’ዩ፡፡

ከም ህዝቢ ክንርድኦ ዘሎና እተን ትማሊ ብጅምላን ብዉልቅን ህዝቢ ኤርትራ ክቕተልን፡ ክሕረድን ፡ክሕነቕን እንከሎ ዘራፍ ዝብሉ ዝነበሩ ጉጅለታት ሕጅዉን ይድብሉ ኣለዉ ፡፡ምስዚ ዘሎ ጃኦ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዞባና ከም ትማሊ ጽባሕዉን ኣብ ልዕሌና ክድገም ከምዝኽእል እንተወሓደ ክንጥርጥር ይግባእ፡፡ሃገርና ብልጽግትን ኩሉ ዜጋ ብሰላምን ማዕርነትን ዝነብረላ ክትከዉን ናይ ዜጋታታ ግዴታን ሓላፍነትን’ዩ፡፡እዚ ዝኸዉን ድማ ኩላትና ሓቢርና እንነብረሉ ፍልስፍናን ስነ-ፍልጠትን ምስ እነማዕል’ዩ፡፡ልዕሊ ኩሉ ሎሚ ኣብ ሶሻል ምድያ እነካይዶ ዘሎና ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ፡ ምፍልላይን ጸርፍን ዘመተ ሱር ሰዲዱ ንምእላዩ ከየሸግረና ክንጥንቀቕ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ፡፡ ሕጂ ንሃገርና ዝመርሓ ዘሎ ጉጅለ ይንዋሕ ይሕጸር ነባሪ ከምዘይኮነ ኩላትና እንርድኦ’ዩ፡፡

ሰናይ ቅነ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles