ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ብ 28 ሕዳር ብመራኸቢ ብዙሃን ፈይስቡክን ትዊተርን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንርእሰ ከተማ ብሄራዊ ፈደረላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ማእከላይ መንግስቲ ኣትያ ድሕሪ ምባል፡ ንመሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓትን) ሓይልታቱን ንምድምሳስ ዝተኻየደ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስርሒት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ።
ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መግለጺ ዝሃበ ኣቐዲሙ ነቶም ‘ጁንታ’ ብምባል ክገልጾም ዝቐነየ መሪሕነት ሕውሓትን ሓይልታቶምን ምልሻን ኢዶም ክህቡ ክልተ ግዜ ነናይ 72 ሰዓታት መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡን ዝሰምዖ እዝኒ ምስኣኑን ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስርሒት ክካየድ ድሕሪ ምእዛዙን ኮይኑ፡ ኣብ መግለጺኡ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ናይ ፖሊስ ስራሕ ኮይኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕውሓትን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሰባትን ምልቃምን ምዃኑ ሓቢሩ ኔሩ።
ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዘሎ ሌተናንት ጀነራል ባጫ ደበሌ ብወገኑ ኣቐዲሙ ተማሪኹ ተባሂሉ ኔሩ፡ እንተኾነ ንሱ እቲ ተማሪኹ ዝብል ወረ ባዕሉ ዘናፈሶ ወረ ከምዝኾነ ብምግላጽ ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወት ገሊጹ።
እንተኾነ ክልቲኦም መራሕቲ መቐለ ከምዝተታሕዘት ‘ኳ እንተገለጹ ከምቲ ኣቐዱሙ ከተማታት ትግራይ ክተሓዛ እንከለዋ ናይተን ከተማታት ብስእሊ ዘሰነየ ዝወሃብ ዝነበረ መግለጺታት ዛጊት ናይታ ከተማ ምስሊ ከይተዘርገሐ ስለ ዝቀነየ፡ እዚ ድማ እታ ከተማ ብሓቂ ድያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ ናይ ዝብሉ ሰባት ቁጽሪ እናዓበየ ክመጽእ ቀንዮ ነይሩ። መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ ተባሂሉ ድሕሪ ዝተዋህበ መግለጺ’ውን ኣብ ልዕሊ ዝካየድ ዝነበረ ብከቢድ ብረትን ነፈርቲ ኲናትን ዝተሰነየ ደብዳብ ከምዝቐጸለ ደሃይ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝግመት ህዝባ ዛጊት ንማሕበረሰብ ዓለም ኣይተዋህበን ዘሎ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሆስፒታላት እታ ከተማ ሕጽረት ቀረብ መድሃኒት ኣጋጢምወን ከምዘሎን ንሬሳታት መኽደኒ ዝኸውን ልብሲ ከምዘይብለን’ኳ እንተገለጸ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ሓፈሻዊ ጉድኣት ግን ኣይዘርዘረን።
ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ ተባሂሉ ድሕሪ ዝተዋህበ በግለጺታትን ተመሳሳሊ መዓልትን’ውን ህወሓት ናብ ኤርትራ ከተማታት ኣስመራ፡ ባጽዕን ከባቢ መንደፈራን 6 ሮኬታት ከምዝደርበየ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።
ህወሓት ኣቐዲሞም ብ 27 ሕዳር “ብዓይነቱ ዝተፈልየ ቃልሲ ከነካይድ ኢና” ኢሎም ብምንባሮም ድሒሩ’ውን ብሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ተመንዚዐን ከምዝነበራ ዝተገልጻ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን ዝርከብኦ ሓያሎ ከባቢታት ዳግማይ ናብ ኢድ ህወሓት ኣትየን ኣለዋ ዝብል ወረ ይናፈስ ኣሎ። ካብ መቐለ ትመሓላለፍ ዝነበረት መደብ ፈነወ ተለቪዥን ንገለ እዋን ኣቋሪጻ ድሕሪ ምጽንሓ ዳግማይ ካብ ጸቡብ ስቱድዮ ናብ ኣየር ክትምለስ እንከላ፡ ኣብ ዝሃበቶ ዜና ሓንቲ ክትድብድብ ዝመጸት ነፋሪት ተሃሪማ ከምዝወደቐትን ኣብራሪኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ሓቢራ።
ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼዮን ገብረሚካኤል ምስ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝተጸሓሓፎ ናይ ተሌፎን መልእኽቲ ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ከምዘሎን ነቲ “ወራር ናይ ፋሺሽት” ዝበሎ ኲናት ኣብ ምምካት ከምዝርከብን ክገልጽ እንከሎ ናብ ደቡብ ሱዳን ተጓዒዙ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ተራኺቢ ዝብል ወረ ድማ ነጺግዎ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ብማእከላይ መንግስቲ ግን ከምዝተዛዘመ ዝግለጽ ዘሎ ኲናት፡ ሰራዊት መንግስቲ ከተማታት ጥራይ እናተቖጻጸረ ክጉዓዝ ብምጽንሑ ብጎቦታትን ስንጭሮታትን ዝተመልአ ዝበዝሕ ቅርጺ መሬት ትግራይ ገና ኣይተቖጻጸሮን ዘሎ።
በዚ ምኽንያት ቁጽሮምን ዓጢቖሞ ዘለዉ ኣጽዋርን ዘይተፈልጠ ሓይልታትን ምልሻን ትግራይ ደገፍ ህዝቢ እንተረኺቦም ደጀን መስሪቶም ዳግማይ ናይ ዳባይ ተዋጋኢ ቃልሲ ከካይዱ ዘለዎም ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።
ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህወሓትን ብ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስትን ድማ ብፍላይ ዘሎ ዘይምርድዳእን ፍልልያትን ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ እንተዘይተጌሩሉ ኣብ ሴሜን ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተናውሐ ዘይምርግጋእ ክህሉ ዝኣበየ ተኽእሎ ኣሎ።
ነዚ ብምርዳእ እዩ ዝመስል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳዊ ሕብራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝርከብኦም ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ውድባትን ግጭት ትግራይ ብሰላም ክፍታሕን ህጹጽ መዕለቢ ክግበረሉን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝግበር በደል ደው ክብል፡ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ኣህዛብ ህጹጽ ረዲኤት ክግበረሎምን ዝጽወዓ ዘለዋ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ቅልውላው ክልል ትግራይ ህጹጽ መዕለቢ ከናድየሉን ሃናጺ መኣዲ ዝርርብ ሰላም ብምክያድ ነባሪ ሰላም ከምጽእ ጸዊዕዎ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ናብ ኣቢይ ኣሕመድ ብምድዋል ኣብ ልዕሊ ሰባት ምሉእ ሰብኣዊ መሰል ክኽበርን ናብ ዝተጎድኡ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክለኣኽ መንገዲ ክኽፈትን ጸዊዑ።
ፓርላማ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ በደልን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመረ ዝርርብ ሰላም ከምዝድግፍዎን ንክቕጽልን ዝተበበዕን ጸዊዖም፡ እንተኾነ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣቢይ ኣሕመድ ከምቲ ዝድለ ክብረት ኣይተዋህቦን።
ግጭት ትግራይ ንምሽምጋል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዙ ፕረዚደንታት ላይበርያ፡ ሞዛምቢክን ደቡብ ኣፍሪቃን ነበር ማለት ብቅደም ተኸተል ኢለን ጆንሶን ሰረሌፍ፡ ጆኣኪም ቺሳኖን ጋሌማ ሙትላንተን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምዝርራብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተዉሉ መጀመርታ ከዘራርቦም ቅሩብ ከምዘይነበረ ደሓር ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ክዘራረቡ ከምዝገበረ ደሓር ድማ ንሶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናሃለዊ ነቲ ሳልሳይን መወዳእታን ዝበሎ ስርሒት መጥቃዕቲ ከምዝኣወጀ ተገሊጹ።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ግጭት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምንን ሓደ ካብ መሰረታዊ ዕላማታቱን ዓንድታቱን ዝኾነ ሕብረት ዘለዎ ንዕቀት ከምዘርእን ሕብረት ኣብሪቃ ብወገኑ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብግጭታት ትሕመስ ሃገር ኮፍ ኢሉ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ዘይከኣለ ድኹም ሕብረት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ትንታነ ገሊጻ።
ሃገራትን ውድባትን እቲ ግጭትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድን በዳላት ደው ክብል ኣብ ዝጽወዓሉ ዘለዋ እዋን ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጽን ናይ መልስን ሕቶን እዋንን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ይኹን ደብዳብ 99 ሚእታዊት ዕላምኦም ከምዝሃረሙን ሓደ’ኳ ይኹን ሰለማዊ ሰብ ከምዘይተቐትለ፡ ዝኾነ ይኹን ንብረት ከምዘይዓነወ እዚ ድማ ሰራዊት ናይ ዝኾነ ትኹን ናይ ካልእ ሃገር ከርእዮ ዘይክእል ብቕዓት ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ገሊጹ። ብናይ መቐለ ስርሒ ድማ ሓደ ሰብ’ውን ከምዘይተጎድአ ሓቢሩ።
ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ብምሉኦም ቆልዓ ሰበይቲ ዘይብሎም ኣሰብኡትን መንእሰያትን ጥራይ ብምዃኖም እዚኦም ድማ ኣባላት ህውሓት እዮም ዝዘስምዕ ኣበሃህላ ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮም ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ብናይ ኣባላት ፓርላማ ጣቕዒት ናይ ደገፍ መግለጺታትን ዝሰኸረ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሃቦ መግለጽን ኣብ ባይታ ብፍላይ ድማ ንጉዳይ ስደተኛታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተገብረ መቕተልትን ዝምልከት ዝሃቦ መግለጽን ነንበይኑ እዩ ዝመስል።
ሓያሎ ማዕከናት ዜና ናብ ሱዳን ብምኻድን ምስ ስደተኛታት ብምርኻብን ዝብ ዘገበርኦ ጸብጻብ፡ ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ቆልዓ ሰበይቲ ከምኡ’ውን ኣረጋውያን ከምዝርከብዎም፡ ተሌቪዥን ኣልጀዚራ ኣብ ዘመሓላላፈቶ ዜና ምስ ሓደ ካብቶም ልዕሊ 40 ሽሕ ኣቦ ብዝገበረቶ ቃለ መሕትት ኣብቲ ዝተካየደ ኲናት ኣብ ዓድታት ይኹን ከተማታት ዓኒ የብለይ ስኒ የብለይ ደብዳባት ቦምብ ይግበር ከምዝነበረን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዓሰርተታት ክቕተሉ ከምዝረኣየን ሓቢሩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ሰላም መጀመርታ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብህውሓት ክቕበሎ ከምዝወሰነ እንተኾነ ኣብ ምትግባሩ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ክገልጽ እንከሎ፡ ህውሓት ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ሓያሎ ወተሃደራት ጥራሕ ነብሶም ብምግባር ናብ ኤርትራ ከምዝለኣኸ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ድማ ነቶም ወተሃደራት ኣብሊዑ ኣስትዩ ከዲኑ ከምዘዕጠቖም፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ወተሃደራት ናይ ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሶምን ዓጢቖምን ተመሊሶም ኣብ ልዕሊ ህወሓት ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ከምዝተዓወቱ ንሶም ናይ ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ብምልባሶም ድማ ህወሓት ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ከምዝመሰልዎ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ ናብ ኤርትራ ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ክገልጽ እንከሎ ንህዝብን ንመንግስታት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ኬንያን ኣመስጊኑ። ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ መደረ ኣብ ዝሃበሉን ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ ካብ ኣባላት ፓርላማ ብዘይካ ጣቕዒትን ናእዳን ዝኾነ ይኹን ነቐፌታ ወይ ውን በዳሂ ሕቶ ኣይገጠሞን።
ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት እቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝገበርዎ ኲናት ብፋሺሽት ዝሰመይዎም ኢሰያስን ኣቢይን ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝተኣልመሎም ከምዝኾነ እዮም ዝገልጽዎ፡ በይኖም ብወተሃደራት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ምልሽያን ፍሉይ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰብ ኣብልቦ ነፈርቲ ኢማራት ዓረብ ከምዝመከቱን መኸተኦም ብሕጂ’ውን ክቕጽል ምዃኑ እዮም ዝሕብሩ ዘለዉ። ህውሓት ብተወሳኺ ከተማታት ብምግዳፍ ብዝጥዕሞም መገዲ ዓበይቲ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉን ሓያሎ ክፍለሰራዊታት ከምዝደምሰሱን እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። እንተኾነ ብክልቲኡ ወገን ዝወሃብ ሓበሬታታትን ፕሮፖጋንዳታትን ምሉእ ብምሉእ ክትኣምኖ ኣጸጋሚ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ባይታ ካብ ኩሉ ወገን ነጻ ዝኾና ሻራ ዘይብለን ማዕከናት ዜና ብዘይ ምህላወንን ኣብ ክልል ትግራይ ኤሌክትሪክን ኢንተርኔትን ተቋሪጹ ምህላዉን ጭቡጥ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኣገልግሎት ተሌፎን፡ ኢንተርኔትን ኤሌክትሪክን ከምኡ’ውን ካብን ናብን ክልል ትግራይ ዝግበር ዝነበረ መጓዓዝያ ምድርን ሰማይን ብሉእ ብምሉእ ብምዕጻዉ፡ ንማዕከናት ዜና ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝህብ በዓል መዚ ኣገልግሎት ፈነወ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሂብዎ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክስርዞ እንከሎ ንቢቢሲን ኣገልግሎት ዜና ጀርመን ዲቸ ቬለን መጠንቀቕታ ምሃቡን፡ ከምኡ’ውን ኣባል ቅልውላው ዝከታተል ጉጅለ ክራይስስ ክሩፕ Crisis Group ተንታኒ ተኸታታልን ህሉው ኩነታት ዊልያም ዳቪሶን ሃገራዊ ዝርርብ ክግበር ድሕሪ ምጽውዑ ናይ ስራሕ ወረቐቱ ክስረዝ እንከሎ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጽእ ምግባሩን ተነቒፉ እዩ።
ብ 4 ሕዳር ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ምክልኻል እታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ኲናት ዛጊት ሂወት ሓያሎ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባት ቀዚፉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብ ታሪኻ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ብዓብላልነት ብሄረሰብ ኣምሓራ ድሕሪ 1991 ድማ ክሳብ ዝሓለፉ ገለ ዓመታት ብዓብላልነት ብሄረሰብ ትግራይ ዝተመስረተ መንግስታት ክትመሓደር ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ሓደ ብሄረሰብ ነቶም ካልእት ናይ ምዕብላል ባህሪ ዝረኣየላን ንሱ ዘኸተሎ ነዊሕ ዝኸደ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክምዕብለላ ዝጸንሐት ሃገር እያ።
ቅድሚ 1991 ዝነበረ ኩነታት ብሄረሰብ ትግራይ፡ ብብሄረሰብ ኣምሓራ ካብ ፖለቲካዊ ሱታፌ ይኹን ቁጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ብምግላሎም ብረታዊ ቃልሲ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ኔሩ። ኣብ 1975 ብሄራዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ ካብ ደደቢት ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተጀሚሩ። ህወሓት መጀመርታ ንትግራይ ነጻ ንምውጻእ’ኳ እንተነበረ ቃልሱ፡ ድሒሩ ዕላምኡ ብምቕያር ቃልሲ ብምሕያሉ ድሒሩ ምስ ካልኦት ንኣሽቱ ግንባራት ዝተፈላለያ ብሄረሰባት ብምውህሃድ ‘የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር’(ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ) ኣቚሞም፡ ኣብ 28 ግንቦት 1991 ድማ ንርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቖጻጺርዋ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ ኣብ 1992 መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቋም ኣቐዲማ ብክፍለ ሃገር ትመሓደር ንዝነበረት ኢትዮጵያ ናይ ምሕደራ ፖሊሲን ቅዋምን ብምቕያር ብብሄረሰባት ኣብ ዝተመቓቐለ ክልላት ብምክፍፋል ብፈደረሽን ከመሓድራ ጀሚሩ። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ምሕደራ ኢትዮጵያ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ናብ 10 ፈደራላዊ ክልላት ክትምቀል እንከላ ክለተ ከተማታት ማለት ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬ ዳዋን ድማ ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳር ኣለወን።
ህወሓት ኤርትራ ትርከበን ብ14 ክፍለሃገራት ትመሓደር ዝነበረት ንኢትዮጵያ ብፈደረሽን መቓቒሉ ከመሓደራ ዝፈተነ ሕቶ መሰላት ብሄራትን ቋንቋታትን ንምውሓስ ኣብ ዝተናውሐ ድማ ቅዋም ብምጥቃም ነጻ ሃገር ትግራይ ንምቋምን እዩ ኔሩ፡ እንተኾነ እቲ ምሕደራ ዘየድሊ ካልእ ምምቕቓልን ምብትታንን ከምዘምርሐ ይግለጽ።
‘ተደመር’ ዝብል ጭርሖ ሒዙ ብ2 ሚያዝያ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ስልጣን ዝተረከበ ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ብህወሓት ንዝቖመ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ ብምፍራስ ብብልጽግና ክትከኦ እንከሎ ፈደረላዊ መንግስቲ ኣፍሪሱ ‘ኣሃዱኣዊ’ ማለት ንኢትዮጵያ ኣሕቢሩ ዘመሓድር መንግስቲ ክምስርት እዩ ውጥኑ። እተኾነ እዚ ብሄራዊ ሕቶ ኣልዒለን ብዝተቓለሳ ክልል ትግራይን ኦሮምያን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እዚ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓደ ካብ ቀንዲ ዘነሃሃሮ ኣብ ክልል ትግራይ ሓፈሻዊ ምርጫ ምክያዱ እዩ። ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 29 ነሓሰ 2020 ክካየድ ተወጢኑ’ኳ እንተነበረ እቲ ምርጫ ኮሮና ቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ንዘይተወሰነ ግዜ ምስግጋሩ ዘይተወሕጠሎም መራሕቲ ህውሓት ኣብ ክልሎም ዝካየድ ምርጫ ከምዘይስርዝዎ ብምሕባር ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ምርጫ ኣካይዶም። ህውሓት ድማ ኣብቲ ምርጫ ብዓብላልነት ተዓዊቶም።
እንተኾነ ኣቢ ኣሕመድ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ሕጉስ ኣይነበረን። ካብ ሕጂ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ “ዘይሕጋዊ ምርጫ” ኢሉ’ውን ገሊጽዎ እዩ። ኣቐዲሙ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ቀበሌ ምርጫ ብምባል ውጽኢት እቲ ምርጫ ብመንግስቲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ ኔሩ።
ህወሓት ብወገኖም እቲ ብሰንኪ ኮሮና ናብ ዘይተፈልጠ ግዜ ዝትብኻየደ ምርጫ ክሳብ ዝትግበር ካብ 6 ጥቅምቲ 2020 ንድሓር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ብኡኡ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብቂዑ እዩ ብምባል ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ሓቢሮም ኔሮም።
እቲ 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብማዕከናይ ዜና ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሕውሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስሜናዊ እዚ መጥቃዕቲ ብምክያዱ ግብረ-መልሲ ክወሃቦ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ከምዝጀመረ ይዝከር።
ኣብ 11 ለካቲት 1975 ሕቶ ብሄራዊ መሰላት ብምልዓል ቃልሲ ዝጀመረ ህሕወሓት ን27 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ብምሓዝ መሪሑ፥ ኣብ መሪሕነቱ ሓያሎ ዝነኣድ ስራሕ ክሰርሕ እንከሎ ብምኡ መጠን’ውን ጌጋታት ኔርዎ።
ክጭት ክልል ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ እንተዘይተጌሩሉ ህወሓት ይኹን ካልእ ዕጡቕ ሓይሊ ዝጅምር ዳግማይ ብረታዊ ቃልሲ ይዕወት ዶ ኣይዕወትን ግዜ ዝምልሶ ሕቶ እዩ። መሪሕነት ህወሓት ይኹን ደገፍቱ ግን መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ከይተረጋገጸ ቃልሶም ደው ከምዘየብሉ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
ብካልእ ሸነኽ፡ ኣብ ትግራይ ተዓቊቦም ካብ ዝነበሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 6 ሽሕ ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ተወሲዶም ከምዘለዉ ዝገልጽ ዛጊት ዝይተራጋገጸ ሓበሬታ ይጋዋሕ ኣሎ። እዚ ድማ ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ስምምዓት ምሕላው መሰል ስደተኛታት ከምዝኾነ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ኣጠንቂቑ ኣሎ።