ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ሓደ ኤርትራዊ ተቀቲሉ 

ትማሊ ዕለት 30 ሕዳር  ሰዓት 11:00 ናይ ምሸት : ብሓለውቲ ዋርድያ ናይ መዓስከር ማይ ዓይኒ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብጥይት ከምዝተቀትለ ካብቲ መዓስከር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ከባቢ እቲ መዓስከር ክካየድ ዝቀነየ ኲናት ሓያል ሻቁሎት ፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓርሽ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ኣደን ከምዝሞቱ ይፍለጥ። 

ብኻልእ ወገን ነቲ መዓስከር ከገልግል ተባሂሉ ዝተተኽለ ናይ ማይ ገንኢ በዚ ዝተፈጥረ ኲናት ክዓኑ ብምኽኣሉ፡ ኣብቲ መዓስከር ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ይሕበር። 

ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ብከቢድ ጸልይዎም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን ክሕብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት