ሰሉስ, ጥቅምቲ 28, 2025

ኣብ ኤርትራ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሮከት ዓሊቡ

ሎሚ ኣብ ኣጋ ሰዓታት ንግሆን ናይ ድሕሪ ቀትርን ኣብ ኤርትራ ሮከት ከምዝዓለበ ተሓቢሩ። እቲ ካብ ትግራይ ዝተወንጨፈ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ፡ ሮከት፡ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፡ ከባቢ ዓዲ ሃሎን፡ ነፋሲትን ከምዝዓለበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ነዚ ንምርግጋጽ ብመሰረት ሰቲት ናብ ኣስመራ ብምድዋል ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ካብ ርሑቕ ናይ ከቢድ መሳርያ ድምጺ ክስማዕ ከምዝኸኣለ ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ። ብዘይካ’ዚ ካብ ተቐማጦ መንደፈራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብክሊ ሰማይ መንደፈራ ሮከት ከምዝሓለፈ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኤርትራ ዓሊቡ ዝተባህለ ሮከት፡ ብልክዕ ኣበይ ቦታ ከምዝዓለበን፡ ዘውረዶ ጉድኣትን ክፍለጥ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ 14 ሓዳር 2020 ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ሰለስተ ሮከታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን ዓሊቦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ሆስፒታላት ሰንዓፈ፡ ደቀምሓረን ብብዝሒ ውጉኣት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዕለቅሊቁ ከምዘሎን፡ ብተወሳኺ ናብ ከረንን ኣስመራ ይልኣኹ ከምዘለዉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የፍልጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

1 COMMENT

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,896FansLike
1,037FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት