back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ህዩስተን ዝነብሩ ኢትዮጵያን ኣንጻር ናይ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ብ ሶኑይ 23 ሕዳር 2020 ኣብ ሁዩስተን ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ቅድሚ  ቆንሱል ኢማራት ዓረብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ደው ክብል ጸዊዖም።  ሰልፈኛታት፡ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሮም  ባንዴራ ክልል ትግራይን ጭርሖታት ብምሓዝ፡ ኣብ ኣፍደገ ቆንሱል ኢማራት ዓረብ ድሕሪ ምርካቦም፡ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ብዘቕረብሎም ዕድመ መሰረት፡ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሁስተንን ከባቢኣን ባንዴራ ኤርትራን ጭርሖታትን ሒዞም ተሳቲፎምን፡ ብጽሑፍ መልክዕ መልእኽታቶም ኣመሓላሊፎምን።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽትታት “ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ትግራይ ዝሕልፎ ዘሎ ግፍዕን መከራ ንሪኦን ንሰምዖን ዘሎና ኣዚዩ ዝሕዝን ዩ፡ ብኣማኻሪ ኢሰያስን ዶ/ር ኣቢን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ፡  ኣዚና ንሓዝን ከምኡውን ንኹንኖን፡  ኩሉ ግዜ  ምስ ውጹዕ ህዝቢ ደው ንብል” ብምባል  ካብ ሳንታኣንተንዮ  ናብ ሁስቶን 4 ሰዓት ብመካይን ተጓዒዞም ዝመጹ ኤርትራውያን “ንሕና ኤርትራውያን ካብ ሃገርና ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሰደድናሉ ኣብ ትግራይ  ተዓቕብናን ኢና፡  በመገዲ ትግራይ  ኣቢልና ድማ ኣብዚ ዘለና ቦታ ንርከብ፡  ሰለ’ዚ ከኣ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ  ደው ንብል” ብምባል መልአኽቶም ኣመሓላሊፎም። ብተወሳኺ ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ጭርሖታት “ኲናት ደው ይበል” ፡ “ኣብ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቑልጡፍ ይውጻእ!” ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዘይምልከቶ ኲናት ኢዱ ይስሓብ” ወዘተ ዝብሉ ምንባሮም  ካብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ  ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያን ተወለድቲ ትግራይ፡ ብጠርነፍቶም ኣቢሎም  ምስጋና ንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምቕራቦም ዘማሐላለፍዎ   መልእኽቲ፡ “ታሪኽ ተደጊሙና  “ኢሰያስ ህዝቡ አጽኒቱ ናባና ሰጊሩ” “ናትና በደል ምርጫ ምግባር’ዩ ከም በደል ተቖጺሩ”  “ንሕና ደለይቲ ሰላም ኢና!! ንሕና  ተጋሩ  ኲናት ምዕናዊ ምዃኑ ልዕሊ ማንም  ንፈልጦ  ድሮ’ኳ አብ ከተማ ሽረ ልዕሊ 100 መንእሰያት ተቐቲሎም፡ ደቂ አንሰትዮ ይድፈራ ኣለዋ፡ ህዝብና ይስደድ ኣሎ፡ ሃገር ትባድም ኣላ፡ ማሕበረሰብ  ዓለም እንዳ ሰመዐ ኣስቂጡ፡ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኣፍሪቃ ጉዳያት ዳሪክተር ዝኾነ አንበሳደር ቲቦር ናጊ፡  ንኣቢ ኣሕመድ ዕድል ንሃቦ  ኢሉ ዝበሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ንህልቂትን ዕንወትን ዝያዳ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።  ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ሰቲት፡ ኲነል ፋራካን (ኳነል ኤክስ) ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ተጣባቂ ኣብ’ቲ ቦታ ተረኺቡ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ናይ ደገፍ መደረ ኣስሚዑ። እቲ ኣሜሪካዊ ብተወሳኺ፡ ንመሰል ጸለምቲ ኣሕዋትና ኣብ ዝሃለዉ ይሃልው ክንጣበቕ ከምዘለና ኣተሓሳሲቡ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ግዝኣታትን ኣሜርካ ዝነብሩ ኢትዮጵያን፡ ኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ናይ’ታ ሃገርን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ጸኒሖም ኢዮም። ብተወሳኺ ዝተፈላላያ ዞባውን ዓለማውን ትካላት እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጎንጺ ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋ። ይኹን እምበር እቲ ኲናት ገና ይቕጽል ከም ዘሎን ብሰንኪ ምዕጻው መራኸብታት፡ ኣብ ባይታ ብዛዕባ ዘሎ ክውንነት ርጡብ ሓበሬታ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይቅጽል ምህላዉ። ብመሰረት ቀዳማይ ሚንስተር ናይታ ሃገር ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ካብ ሰንበት ዕለት 22 ክሳብ ረቡዕ ዕለት 25 ሕዳር፣ መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኢዶም ክህቦ ናይ 72 ስዓታት ዕድል ተዋሃብዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣብዚ ቀዳማይ ምኒስተር ናይ መወዳእታን ወሳኒ ኢሉ ዝሰመዮ ስርሒት ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ሓደጋ ከይወረድ ጥንቓቀ ክግበር ጸዊዖም።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles