ኣብ ዓሚቕ መጽናዕታዊ ሓበሬታን፣መርበባትን ምኩር ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ክኢላታት ዝሓቖፈ፡ኢኢፒኤ(EEPA-External European program with Africa) ዝተባህለ ኣብ ብራስለስ በልጁም ዝመደበሩ፣ ፍሉይ ኣተኩሮ ኣብ ምህናጽ ሰላምን ፣ድሕነትን ዘይተጸዓድነትን ስደተኛታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣድህቦ ጌሩ ዝነጥፍ ትካል፣ “ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 6 ክሳብ 24 ሕዳር” ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትሳተፍ ከምዘላ፡ ናይ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጋዜጠኛ ኣብ ሕሞራ ትግራይ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፣ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ከምዝሓበረ ጠቒሱ፣ ብዙሓት ሰባት ብወገን ሰሜን ማለት “ኤርትራ” ዝትኮስ ሞርታር ከምዝነበረ ከምዝሓበሩዎ ከምዝገለጸ፣ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግዝኣታዊ መሬት ኤርትራ ከምዝተጠቕመ ካብ ምእማን ሓሊፉ፣ ነቲ ብወገን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንቀጥታዊ ተሳታፍነት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ኣመልኪቱ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ከምዝነጸጎ ሓቢሩ።
ብዘይካዚ ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት እንዳባጉና ትግራይ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣባላት ህግደፍ ዝኾኑ ሰባት ኣብቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ብዙሕ ዓመጻት ከምዝፈጸሙን፣ ናይ ሲቪል ክዳውንቲ ተኸዲኖም ኣብ ጎኒ ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ሓይልታት ኣብቲ ኲናት ከምዝተሰለፉን ክሕብሩ እንከለው፣ ንገለ ካብቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ከምዝወሰድዎም እዩ ክኸውን ዝኽእል፣ እዚ ድማ ናብተን ኣብዚ ሕጂ ሳዓት ዕላማ ዘይኮና ግን ኻኣ አንድሕር ብ ኣግኡ መግትኢ ተዘይተጊርሉ ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይንን ክቕጽል ከምዝኽእልን እዩ እቲ ዝወጸ መግለጺ ዝሕብር።
እቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ትካል ዩኤንኤች ሲኣር(UNHCR) ኣብቲ ቦታ ከምዘየለን፣ብዘይ ዝኾነ ሓለዋን ሓገዝን ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዘለው እቶም ስደተኛታት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብህጹጽ ኣቓልቦ ክገብረሎም ይጽውዑ ከምዘለውን እዩ እቲ መግለጺ ወሲኹ ዝሕብር።
ምስ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲታት፣ሲቪካዊ ማሕበራትን፣ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰብ ሞያ ክኢላታትን ብምውህሃድ ዝሰርሕ ትካል ኢኢፒኤ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን መስመር ማእከላይ ባሕር ንዝግበር ምስግጋር ሰባት ኣመልኪቱ ሓያለ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከምዘውጽአ ይፍለጥ።