ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ ሰሉስ 24 ሕዳር ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘተኮረ ዘተ ከካይድ ምኻኑ፡ ዝተፈለላያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እተን ማዕከናት ሓበሬታ ንዲፕሎማት ብምጥቃስ ዝረኸብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ብማንዛዊ (virtual) ክካየድ ምኻኑ ዝተሓበረ ዘተ፡ ንህዝቢ ዕጹው ምኻኑ ኡኳ እንተተፈልጠ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ናይቲ ዘተ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ድዩ ኣይዝርጋሕን ግን ዝጊት ዝተፈለጠ የለን።
ካብ ኣርባዕተ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ጠጠው ንምባሉ ዝተገብረ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክፈሽል እንከሎ፡ ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላለፊ ክፍጠር ጻውዒት ከምዝገበረ ይዝከር።
ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ኣስታት 40 ሽሕ ነበርቲ ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ተፈናቂሎም ከምዘለዉን፡ ዛጊት ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ እቲ ኲናት ዝርከብ ህዝቢ፡ ብዛዕባ ወሪዱ ዘሎ ጉድኣት ንክፍለጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕበር።