ሰራዊት ክልል ትግራይ ካብ ሽረ ከም ዝወጹ ተሓቢሩ

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ህዝቢ ትግራይ ክከትት ጸዊዑ

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ሎሚ ኣብ ቴሌቪዥን ክልል ትግራይ ቀሪቡ ኣብ ህልው ኩነታትን ምዕባሌታት እቲ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ዓሰርተታት መዓልታት ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣”ኣብዚ ንመንነትና እንገብሮ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ፣ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዕቡል ድሮናት እንከይተረፈ ተሓጊዙ ምስ ዘራያቱ እዩ ዝገጥመና ዘሎ” ብምባል ኣብዚ እዋን እዚ ከተማ ሽረን ራያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ፈደራል ኣትየን ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ። ” ኣብ ውግእ ሓንሳብ ትድፋእ ሓንሳብ ትደፍእ እዚ ባህሪ ኩናት እዩ” ዝበለ ኣቶ ደብረጽዮን ወሲኹ “እዚ ማለት ግን ተሳዒርና ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ መወዳእታ ዓወትና ቀጻሊ እዩ ” ክብል ተዛሪቡ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ነዚ ንኸንበርክኾ ዝዳሎ ዘሎ ወራሪ ሓይሊ ንምስዓር፣ብዘለዎ ሓይሊ ክኸትት ጸዊዑ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት