back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣይፋል ንኲናት፡ እወ ንሰላም

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ካብ ዘለዎ ዘይምርድዳእ ዝተኽሰተ ግጭት፡ ብጎነጻዊ መንገዲ ንምፍታሕ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንገኦም ኲናት ተወሊዑ ይርከብ። ረጽሚ ጥርዚ ዓሪጉ፡ ድሮ ህይወት ንጹሃን ወሲዱ፡ ብኣሻሓት ድማ ተመዛቢሎም ይርከቡ። ጽልዋ ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ተሓታትነት ዝሰሓተ ውግእ፡ ንሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ኤርትራን ልእላውነት ሃገርናን ድማ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት የእትይዎ ይርክብ።

ኲናት ፍታሕ ኣይኮነን። ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ሽግራቶም ብዘተን ሰለማዊ መንገድን ክፈትሕዎ ይግባእ። ኣብዚ ካብ ኢድ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ግን ጠበንጅኦም ናብ ህዝቢ ከይቀንዕ፡ መዳፍዖም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከይወድቕ ክጥንቀቑ ኣለዎም። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግዳይ ናይዞም ጽልኢ ዝዘርኡን ሓዊ ዘሳውሩን መራሕቲ ኮይኖም ይርከቡ። እዚ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታት ድማ ከም ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ስክፍታት ፈጢሩልና ይርከብ።

ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ብወገን ትግራይ ብዝትኮስ ከብድ ብረት ክድብደባ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ወሃቢ ቃል ማእከላይ እዚ ህወሓት፡ ብቀዳም 14 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኣስመራን ባጽዕን ክንድብድብ ኢና ደሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ናይ ምሸት ሰዓታት ኣብ  ኣስመራ ከቢድ ደብዳብ ሮኬታት ተሰሚዑ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ካብ ኣሰመራ፡ ብዛዕባ’ዚ ደብዳብ ሮኬታት ዝተረኽበ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃሉ፡ ንህዝብናን ንሃገርናን ብዝኾነ ሓይሊ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝግበር ሃቀነ ድማ ልእላውነት ኤርትራ ምጥሓስ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ንመዋእላት ብኲናት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ፈታው ሰላምን ንጽህን ህዝቢ ኤርትራ ገንሸል ምግባር እዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደገኛን ኣዕናውን ውግእ፡ ብሰላምን ብልዝብን ክፍታሓሉ ዝኽእል መንገዲ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክሰርሓሉ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንጸጥታዊ ውሕስነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ኤርትራን ኣብዚ ጉዳይ ምሽማም ዝግበር ኩሉ ምትእትታው ዎትሩ ክኹነን ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ኲናት፡ ኣደዳ ሞትን ስደትን ኮይኖም፡ ብዘይ ዕረፍቲ ዝተሳቀየ ህዝብታት ኢዮም። ኲናት ዕንወት እንተ ዘይኮይኑ፡ ብኲናት ዝፍታሕ ግጭታት የለን። እዚ ክልተ ህዝብታት ድማ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ልዕሊ ኩሉ ይግንዘቦ። ክልቲኦም ጎረባብቲ ህዝብታት ከም ጎረቤት  ብሰላም ተኸባቢሮም ብሰላም ዕለታዊ መነባብሮኦም ቀሲኖም ንኸይገብሩ፡ ብመራሕቲ ዝግበር ምትኹታኻትን ኲናት ምስዋርን ታሪኽ ደማዊ ውግእ ምድጋም ኢዩ።

ኤርትራ ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ልዕሊ 20 ሽሕ ሂወት ጀጋኑ ተኸፊሉ፡ 10ታት ኣሽሓት ተዘናቢሎም፥ ህዝቢ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ኮይኑ፡፡ ምስምስን ዕባራን ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት  ምኽንያት ብምግባር ሃገር ብወልቀ መላኺ ተመሪሓን፡ ዴሞክራስን ሓሳብካ ምግላጽን ገበን ኮይኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቀዩ ኣልው። ህዝቢ ኤርትራ ብፍርሕን ድኽነትን ብዘመሓድር፡ ስርዓት መሰላቱ ተጋሂሱን ጌና ኣብ ጽላሎት ናይዚ ዝሓለፈ ኲናት ጌና ይነብር ኣሎ። እዚ ኣብዚ ከምዚ ህሞት ዝኽሰት ኲናት ድማ ኩቡር ህይወት ኤርትራዊ ክውሰድ፡ ምዝንባል ክኸትል፡ ከም ኣብ 2001 ዝተራእየ ምእሳር ብዙሓት ዓገብ ዝብሉ፡ ሰለማዊ ፍታሕ ይሓይሽ ዝብሉን ከምዘኽትል፡ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ክንግንዘብ ይግብኣና።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክነቅሓሉን ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ኣካል ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተኽሲቱ ዘሎ ኲናት ክውገድን ፡ ተኽእሎታት ምልሓሙ ናብ ኤርትራ ምብግንዛብ ድማ ክኹንኖን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሓሉ ዝኽእል መንገድታት ክድህስስን ንጽውዕ። ኣይፋል ንኲናት፡ ሰላምን ርግኣትን ድማ ንኹሎም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ሰቲት፡ ሕዳር 17, 2020.

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles