ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ዕለት 20 ጥሪ፣ 2024፡ ነዞም ንጹሃን ዝኾኑ ኤርትራውያን ንሓደ ቀቲሎም ንሓደ ድማ ብኸቢድ ብምቕሳል፡ በቲ ገበን ተጠርጥሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸነሑ 3 ሰባት ክሲ ምምስራቱ ተሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኾኑ ዝተገልጹ ጉጁለ፡ ኣብዞም ክልተ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ “ንስኻትኩም እናሰራሕኩም፡ ንሕና ንቃለስ ኣለና” ድሕሪ ምባል፡ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ንሓደ ካብቶ ንስርሖም ዘምርሑ ዝነበሩ ብኻራ ክቐትሉ ከለዉ፡ ንካላኣዩ ድማ ብኸቢድ ከምዘቕሰልዎ ተገሊጹ።
ክልተ ካብቶም ነተኸሰስቲ ካራ ሒዞም ምንባሮም እቲ ክሲ ኣረዲኡ። እዞም ሰለስተ ተኸሰስቲ : ነቶም ናብ ስራሕ ዝኸዱ ዝነበሩ ዑመር ዓብደላ (መዋቲ)፣ ከምኡ’ውን ዓርኩ መሓመድ ሱልጣንን ኣብ ሓደ ኣንጎሎ ብምኽታር “ደው በሉ፡ ደው በሉ” ብምባል ናብኦም ብምቕራብ፡ ናብ ስራሕ ይኸዱ ምህላዎም ምስ ተረድኡ “ንስኻትኩም እናሰራሕኩም ንሕና ንቃለስ ኣለና” ኢሎም ብሙግቡዕባዕ፡ ንዑመርን መሓመድን ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ደው ዘይምባሎምን ንተቃወምቲ ድማ ብገንዘብ ብዘይምሕጋዞምን ብምኽሳስ፡ እቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ፖለቲካዊ ምንባሩ እዩ እቲ ክሲ ዘረድእ።
“ኣይትኸዱን እኹም ኣብዚ ክትሞቱ እኹም” ኢሎም ከምዘፈራርሕዎም እቲ ክሲ ገሊጹ። ብመሰረት ኣብቲ ክሲ ዘሎ ዝርዝር፡ መሓመድ ሱልጣን ነቶም ተኸሰስቲ፡ ከሕልፍዎም እኳ እንተ ሐተቶም፡ ኣይሰለጦን። ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ነቲ ካልእ ብምድሃይ ቀልጢፉ ናብዘለውዎ ክመጽእ ሓበሮ፡ ኣብታ ህሞት ዑመር ዓብደላ (መዋቲ) ካብቲ ቦታ ክእለ ምስ ፈተነ፡ እቲ ቀዳማይ ተኸሳሲ ምሕላፍ ከልከሎ። 3ይ ተኸሳሲ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ 2ይ ተኸሳሲ ንመሓመድ ንድሕሪት ክሳብ ዝድፋእ ብምጽፋዕ፡ ካራ ብምውጻእ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣካላቱን ኣብ የማናይ ሰለፉን ደጋጊሙ ከምዝሃረሞ ‘ዩ ኣብቲ ክሲ ብደቅቅ ዝቀረበ ጸብጻብ ዝሕብር። መሓመድ ካብቲ ቦታ ሃዲሙ ክወጽእ እኳ እንተ ፈተነ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ሓንቲ ኣብ ቀረባ ዝነበረት ቤት መግቢ ምስ በጸሐ ግን ወዲቑ።
በመሰረት ኣብቲ ዝቐረበ ዝርዝር ክሲ 2ይ ተኸሳሲ ንመሓመድ ክወቕዕ ዝረኣየ ዑመር (መዋቲ) ክሕግዞ ኣብዝፈተነሉ ብ ቀዳማይ ተኸሳሲ ተዓጊቱ: ዑመር ካብቲ ቦታ ክሃድም ምስ ፈተነ ድማ 1ይን 3ይን ተኸሰስቲ ደድሕሪኡ ብምስዓብ፡ ናብ መንደቕ ብምጽጋዕ፡ ኣብ ልዕላዋይ ክፋል ኣካላቱ ብኻራ ደጋጊሞም ወቐዕዎ። ካብቶም ክልተ ሓደ ንዑመር ኣብ ላዕለዋይ ኣካላቱ ደጋጊሙ ወግኦ፡ 2ይ ተኸሳሲ ተጸንቢሩዎም እሞ ንዑመር ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ደጋጊሞም ወጊኡዎ።
ዑመርን መሓመድን ወዲቆም እንዳ ተሳሕጉ ከለዉ፡ 1ይ ተኸሳሲ ናይ ዑመር ስኩተርን ክልተ እግራ ተሽከርካሪትን ሞባይልን ወሲዱ በታ ስኩተር ጌሩ ብምህዳም ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ ይብል እቲ ክሲ። እቲ ክሲ ኣስዒቡ፡ ንተኸሰስቲ ብጉጁለ ገበናት ቅትለት ምፍጻምን ፈተነ ቅትለት ምፍጻምን፡ ከምኡ ድማ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካራ ምሓዝን ክኸስስ ከሎ፣ ን1ይ ተኸሳሲ ድማ ብገበን ስርቂ ‘ውን ይኸሶ።