ናብ ሱዳን ኣሽሓት ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ይኣትዉ

 

ኣብ መንጎ መሪሕነት ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ዕላዊ ውግእ ካብ ዝምዕብል ትሽዓተ ማዓልቲ ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሎሚ ካብ ከባቢ ሱዳን ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ሽሕ ዝበጸሕ ስደተኛ ካብ ኢትዮጲያ ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ይሕበር።
ብ መሰረት ሮይተርስ (Reuter) ማዕከን ዜና፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እዚ ቁጽሪ ኣብ ዝቅጽል ማዓልታት ብ ዕጽፍታት ከምዝውስኽን ኣብ ሓጺር እዋን ከኣ ክሳብ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ክብጽሕ ከምዝእል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓድሕድ ኲናት ተኸቲላ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውባ ቦታታት ሰራዊት ብምውፋር ዶባታ ከምዝዓጸወቶ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፣ነቲ ብኣቦ ወንበር ኢጋድ ዓብደላ ሓምዶክን፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝቐረበሉ ናይ ሽምግልና ጻውዒት ከምዝነጸጎ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት