ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፣ነቲ ብ ኣቦ ወንበር ኢጋድ ዓብደላ ሓምዶክ ዝቐረበሉ ናይ ሽምግልና ጻውዒት ከምዝነጸጎ ሱዳን ትሪብዩን ዝተሰምየት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።
እቲ ኣቦ ወንበር፣ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ነቲ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክቕበሎ ከምዘለዎ ንኸእምኖ ኣርባዕተ ግዜ ዝኸውን ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እኳ እንተኣካየደ እቲ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ እዩ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ዝገልጽ።
እቲ ሚኒስተር ብወገኑ፣ እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ዝኾነ ግዳማዊ ምትእትታው ኣየድልን ዝብል መልሲ ከምዝሃቦ ውን ካብ ቤ/ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ኣቦ ወንበር ኢጋድን ዝኾነ ዓብደላ ሓምዶክ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ ክትብል ያ ወሲኻ ጸብጺባ ዘላ።
እዚ ኣብ መንጎ እቲ ብመሪሕነት ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ዕላዊ ውግእ ካብ ዝምዕብል ሽዱሽተ መዓልታት ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፣ ናብ ዝገደደ ኣዕናዊ ኩናት ሕድሕድን፣ዞባዊ ዘይምርግጋእን ከይዓርግ ንብዙሓት ወገናትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ።
ብዘይካ’ዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን፣ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፖምፖዮን ዝርከብዎም ላዕለወት ሓለፍቲ፣ክልቲኦም ወገናት ፣ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትን ኣብቲ ዞባ ንከኸትሎ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስጉምቲ ኣቋሪጾም ናብ ዘተ ክመጹ ከምዘተሓሳሰቡ ይዝከር።