“ህዝባዊ ቃልሲ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፥ 07 ሕዳር 2020 ብ ማንዛዊ (Virtual) ተጀሚሩ፡ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ይኣክል ጽላል ካናዳ፡ ንክልተ መዓልቲ ክቅጽል እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ዋዕል’ኡ፡ ኣብ ምጽዳቕ ቅዋም ጽላል ይኣክል ካናዳ ክዛተ ከሎ፡ ካብ ዝተፈላላዩ ከተማታት ካናዳ ብወከልተን ዝተላእከ፡ መልእኽቲ ንህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክልን፡ ጽላል ይኣክል ካናዳን፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ናይ ክብሪ ዕዱማትን መደረኦም ብምስማዕን፡ ካልኦት መደባትን ብምክያድ፡ ናይ ሎሚ መደብ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕልኡ ዛዚሙ። ዋዕላ ይኣክል ጽላል ካናዳ ጽባሕ 08 ሕዳር ቀጺሉ ከምዝውዕል፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ከም ዝዝከር ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም “ውሁድ ስራሕ ንውሑስ መጻኢ”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕልኡ ብማንዛዊ( Virtual) ኣገባብ ከምዘካየደ ይፍለጥ።