ቤት ምኽርን ፈጻሚ ኣካልን ክልል ትግራይ ክፈርስ ተወሲኑ

ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ቤት ምኽርን፡ ፈጻሚ ኣካልን ክፈርስ ከምዝወሰነ፡ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ ምኽሪ ነዚ ምፍራስ መተካእታ ዝኸውን ሓድሽ ግዝያዊ ኣወሃሃዲ ክቀምው ድሕሪ ምውሳን፡ ተልእኾ እቲ ግዝያዊ ኣወሃሃዲ፡ ፈጸምቲ ኣካላት ክሸውም ምኻኑ ሓቢሩ። 

ኣብ ዝሓላፈ መዓልታት ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ድንጋገ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡  ዘሎ ምዕባለታቱን ካብ ማዕከናት ሓበሬታ ርሒቁ ብምህላዉ፡ ህዝቢ ዘሎ ኩነታት ክፍልጡ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን  ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ኲናት ኣብ ደቡብን ምዕራብን ክልል ትግራይ ይቅጽል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ዝጸንሐ ምትፍናን ፖሎቲካዊ ሽግርን ናብ ሓድሕድ ደማዊ ኲናት ከምዝተሰጋገረ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት