ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር ተቀኒሶም ዝጸንሑ ሰለስተ ጀነራላት ናብ ሰራዊት ክምለሱ ብ ሮቡዕ 4 ሕዳር ከም ዝኣዘዘ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን ። እቶም ናብ ሰራዊት ክምለሱ ዝተባሃሉ ጀነራላት፡ ሌ/ጀ ባጫ ደበለ ሌ/ ጀ የውሃንስ ገ/መስቀል ሌ/ጀ ኣበባው ታደሰ ከምዝኾኑ እተን ማዕከናት ዜና ኣብ ዝዘርገሖኦ ሓበሬታ ኣስፊረንኦ ኣለዋ።
እዚ ብትእዛዝ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዝሓልፍ ዘሎ፡ ጽባሕ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር፡ ”ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺማ ኢሉ” ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምሕባሩን፡ ኣስዒቡ ድማ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ ምእዛዙን ኢዩ።
ብካልእ ወገን፡ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ እቶም ኣብ ሰሜን እዚ ዘለው ስራዊት ኣብ ጎድኒ ትግራይ ተሰሊፎም ክብሉ ይሕብሩ። ምስቲ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ዘጋጠመ ኩነታትን ምዕባለን ብምትእስሳር ድማ ዝኾነ ዓይነት በረራ ኣብ ክሊ ኣየር ክልል ትግራይ ክእገድ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ድማ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ሰብ ስልጣን ክልል ትግራይ ኣፍልጦም።ብተወሳኪ ከኣ ኣገልግሎት ተሌፎን ባንክን ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።
ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ሰለስተ ሕዳር ዘጋጠመን ሎሚ’ ውን ቀጺሉ ዘሎ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝሎ ብ ናጻ ኣካላት ዝተረጋገጸ የለን።