ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ቀዳመይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ፡ህውሓት ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ይሕብር

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከር ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት፡ ቀድማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወግዓዊ መረበብ ገጽ ፌስ-ቡኩ ኣብ ዘስፈሮ መግለጺ ኣፍሊጡ። 

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንብዙሕ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ክሕልው ዝጸንሐ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ቀይሕ መስመር ከምዝጣሓሰ፡ ኹናት ክልተ ወገን ዝደልይዎ ዘይኮነስ፡ ሓደ ወገን’ውን ተገዲድካ ትኣትዎ ከምዘሎን ህዝቢ ንዘሎ ኩነታት ብጥንቃቀ ክርእዮን ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሃገር ጠጠው ክብልን ጸዊዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ዝጸንሐ ምፍኽኻር ናብ ደም ምፍሳስን፡ ዓቢ ኹናት ንከይቅየር ክስጋእ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሎሚ ምሸት ኣማስይኡ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ብዙሕ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ይስማዕ ከምዘሎ እዩ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ