ቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንህወሓትን፡ ኦነግ-ሼነን ኣብ ዝርዝር ኣሸበርቲ ጉጅለታት ከእትዎም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሎሚ 3 ሕዳር 2020 ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት-ምኽሪተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ወለጋ፡ ዝተፈጸመ ቅትለት ስቪልውያን ሰባት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣለዎም ንዝበሎም ህወሓትን ኦነግ-ሼነን፡ እቲ ቤት-ምኽሪ እዞም ጉጅለታት ኣብ ናይ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝርዝር ክኣትዉ ጸዊዑ።
እቲ ቤት-ምኽሪ ቅድሚ ናብቲ ስሩዕ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ምእታው፣ ነቲ ዝተፈጸመ ህልቂት ንጹሃት ዜጋታት፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክዝረበሉ እማመ ኣቕሪቡ።
ኣፈኛ ቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ፡ ቤት-ምኽሪ ኣጀንዳ ከምዘዳለወን፣ መብርሂ ናብ ተወከልቲ ህዝቢ ክቐርብን ኣድላዪ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ህውሓትን ካልኦት ጉጅለታትን ንኽውሰድን ምስ ፈጻሚ ኣካል ከምዝተዘራረበ ኣብሪሁ።
ኣብ ዝሓላፈ ሰሙናት ጀሚሩ ዝጎሃሃር ዘሎ ምትፍናን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ ንብዙሓት ከቢድ ሻቅሎት ፈጢሩሉም ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኩሎም ወገናት ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ክኽተሉ ጸዉዑ ምንባሩ ይዝከር።