ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ተመሪጹ

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን፥ ብሰለስተ ሕዳር ድሕሪ ዝተዛዘመ ምርጫ፡ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ኮይኑ ሎሚ 7 ሕዳር 2020 ተዓዊቱ። ጆ ባይደን ካብ ጠቕላላ ሓሙሽተ ሚእትን ሳላሳን ሸሞንተን(538) “ኤለክቶራል ኮለጅ (Electoral College)” ክልተ ምኢትን ቲስዓን( 290) ብምርካብ ክዕወት ከሎ ካብ ጠቅላላ ድምጺ ካብ ዝሃቡ ከኣ 50.6 ምኢታዊት ብምርካብ ተዓዊቱ። በዚ መሰረት፡ መበል 46 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ እዩ።

ጆ ባይደን፡ ብ18 ነሓሰ ናይዚ ዓመት’ዚ፥ ንፕረዚደንታዊ ውድድር ብሰልፊ ዴሞክራት (Democratic Party) ሕጹይ ኮይኑ ከም ዝተመርጸ ይዝከር።

ኣብ ናይ ዝሓለፈ 2016 ምርጫ፥ ዶናልድ ትራምፕ ብ304 ኤለክቶራል ኮለጅ (Electoral College) ተዓዊቱ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ