back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ን መኸተን ድልውነት ህዝቢ ትግራይ ጸዊዑ

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዶ/ር ደብረጽየን ሎሚ ኣብ ቴሌቪዥን ክልል ትግራይ ቀሪቡ ፓለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምዕባለታት  ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ኣመልኪቱ  ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝደናደን ዘሎ ብ ብልጽግና ፓርቲ ዝምራሕ  ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምካት ድልውነቱ ከረጋግጽ ጸዊዑ።

እቲ ብ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሉ ነቲ ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ዘኽእል ናይ ዘተን ልዝብን  ዴሞክራስያውን  ዲፕሎማስያዊን መገድታት ዓጽዩ ንህዝቢ ትግራይ ንምድኻም ካብኡ ሓሊፉ እውን ምስቲ  ብኢሳያስ ዝምራሕ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተሓባቢርካ ንምጥፍኡ ዝዓለመ ምንቅስቓሳት ይገብር ከምዘሎ ወሲኹ ገሊጹ። 

እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ ኣመራርሓ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ምምሕዳር ክልል ትግራይን እንዳዛየደ ክመጽእ ዝጸንሐ ምትፍናን፣በቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘካየዶ በይናዊ ክልላዊ ምርጫን ንዑዑ ተኸቲሉ ዝመጸ ውሳኔታትን፣ ናብ ዝለዓለ ወጥሪ ከምዝዛየደ ይፍለጥ።

ስማዊ መንግስቲ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፣ኣብታ ሃገር  ንዘሎ ህጹጽን መሰረታዊ  ኣቓልቦን መፍትሒን ዘድልዮም  ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምስራሕ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን ዝብል መርገጺ ብምውሳድ፣ ዋና ተዋሳኣይ ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህልው ኩነታትን ዘይምርግጋእን ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ እዮም ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ዝገልጹ።

መርበብ ሓበሬታ ሰቲት፣ንኹሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ንህልው ኩነታት እንዳገምገሙ ንነብሶም ዘድሊ ጥንቃቔታት ክገብሩ ተታሓሳስብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles