ኣብ 2018፡ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምውጻእን ምእካብን ገንዘብ፡ ከምኡ’ውን ምእካብ ቀረጽ ክልተ ካብ ምኢቲ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዝነበረ፡ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ድሕሪ ምስጓጉ፥ እንደገና ኣብዚ አዋን’ዚ ድማ “መኸተ ኣንጻር ኮሮና” ብዝብል ምስምስ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ሆላንድ፥ ብኣስገዳድ ገንዘብ ይእክብን ናይ ገንዘብ ድለባ ወፍሪ ይገብርን ከምዘሎ ተገሊጹ።
ካብ 5 ሚያዚያ 2020 ዝጀመረ፡ ብምስምስ “መኸተ ኣንጻር ኮሮና” ብወከልቲ እምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ፥ ዝግበር ዘሎ ናይ ገንዘብ ድለባ ወፈሪ፥ ገዛ ገዛ አንዳ ኳሕኳሕካ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፥ ብኣስገዳድ ነፍስ ወከፍ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ፡ ካብ 100 ዩሮ ንላዕሊ ንከዋጽእ ዝሓትት አዩ። እዚ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና፡ ሰብ ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፥ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 155,000 ዩሮ ከም ዝዋጻእ ተጊሩ ኣሎ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሆላንድ፥ Stef Blok, ምስ እዚ ጉዳይ ዝተሓሓዝ፥ ንኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ሆላንድ መብርሂ ከም ዝሓትትን ተወሳኺ ስጉምታት ክወስድ ከም ዝኽእልን ክሕብር ከሎ፥ ሸርድ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሆላንድ ከኣ፥ “ሕጂ እቲ ንኣባላት እምባሲ ኤርትራ ናይ ምስጓግ ዕጫ ኣብ ኢድ ሚኒስተር ብሎክ አዩ ዘሎ” ክብል ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣርጎስ (Argos) ዝተባህለ ማዕከን ሬድዮ ሒዝዎ ዘሎ ዝርዝር ናይ ዝተኸፍለ ገንዘብ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ሆላንድ ጥራሕ፡ ብውሑዱ 155 ሽሕ ዩሮ ኣኪቡ ኣሎ። ገለ ካብቲ ሓገዛት ካብ ደገፍቲ እቲ ስርዓትን ምስቲ ስርዓት ምትእስሳር ዘለዎም ትካላትን ዝመጸ እዩ። ንኣብነት ማሕበር ኤትራውያን ኣብ ኣምሰተርዳምን፡ ማሕበር ደቀንስትዮ ሮተርዳምን ካብተን ኣብቲ ምእካብ ገንዘብ ዝሳተፋ ትካላት ኢየን።
ኣብቲ ብኣርጎስ ዝተረኸበ ዝርዝር ኣስማት፣ ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ናይ ዝመጹ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣስማት’ውን ይርከብ። ካብዚኣቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ዑቕባ መሰል ዝተዋህቦም ክኾኑ እንከለዉ ገለ ገለ ድማ፡ ገና ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ዘለው ኤርትራውያን እዮም።
እቲ ናይ ኣስማት ዝርዝር ከም ዘመልክቶ፣ እቶም ነቲ ገንዘብ ዝእክቡ ኣካላት ገዛ ገዛ ከይዶም ከም ዘዋጽእዎን፡ ኣብ ሓደ ቦታ ወይ ከባቢ ዝነብሩ ድማ ብተርታ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሮም ሓደ ዓይነት ክፍሊት ማለት 100 ዩሮ ከም ዝሃቡን የመልክት ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሰሙናዊ 59 ዩሮ ን መግቢ፡ ቀረባት ንጽህናን ተለፎንን ዝኸውን ይኽፈሉ። ወከልቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከኣ፡ ገዛ ገዛ እንዳ ኸዱ ገንዘብ ክእክቡ ከለዉ እዞም ስደተኛታት ድማ፡ ልክዕ ከም ተማሃሮን ትሕተ ዕድመ ቆልዑን 50 ዪሮ ጥራሕ ንወኪል መንግስቲ ኤርትራ ክኸፍሉ ከም ዝግበር ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም። ብተወሳኺ ነባርነት ዘለዎም ዜጋታት’ውን፡ እንተላይ ክፍሊት ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ብመንግስቲ ሆላንድ ዝኽፈሉ፡ ምሉእ ክፊሊት ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ እቶም ምንጭቲታ ብተወሳኺ ይጠቕሱ። እቶም ነዚ ገንዘብ ዝእክቡ ድማ፡ ክሉ ግዜ ብጥረ ገንዘብ ከም ዝሓቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ንእምባሲ ዝኸፈል ገንዘብ፡ ብትካል ድሕነት ሰራሕተኛታትን (UWV) ሰበ-ስልጣን ሆላንድን ከይፍለጥ ተባሂሉ ኢዩ።
ፕሮፌሰር ምርያም ቫን ሪይሰን፡ ኣብ ዩኒቨርስት ታኢልበርግን ላይደንን (Tilburg and Leiden) መምህር ኮይና፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብሙቱኳር ትሰርሕ ክኢላ’ያ። ፕሮፌሰር ምርያም፡ ብዛዕባ ካብ ኤርትራውያን ዝእከብ ዘሎ ግብሪ ከም ዝሰምዐት ትሕብር፡፡ “ብዛዕባ ምእካብ ግብሪ ካብ ኤርትራውያን፡ ኣብ ደገ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ዝበዝሐ ካብቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ናብ ጅባ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ዩ ዝኣቱ። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ኤርትራውያን ዝግበር ምእካብ ግብሪ እቲ ካልእ ዕላምኡ ድማ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከም ምንጪ ሓበሬታ ዝኸውን ዝርዝር መዝገብ ኣስማት ናይዞም ኣብ ሆላንድ ዘለው ኤርትራውያን ምእካብ እዩ።” ትብል እታ ፕሮፌሰር ብተወሳኺ።
እቶም ነዚ ገንዘብ ዝኸፍሉ ኤርትራውያን፡ ንክኽፍሉ ጸቕጢ ከም ዝግበረሎምን፡ ነዚ ገንዘብ ዘይምኽፋል ድማ ሳዕቤን ከም ዝህለዎ’ውን ይንገሩ ምዃኖም ይግለጽ። ሓደሽቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ፡ ነዚ ካብኦም ዝሕተት ገንዘብ እንተ ዘይከፊሎም፡ ነቲ መስርሕ ምሕታት መሰል ስደተኛ ዝሕግዝ ይኹን ምጥርናፍ ስድራ ቤት ዝምልከት ሰነዳት ንምርካብ ዝኾነ ቆንሱላዊ ኣገልግሎት ከም ዝንፈጎምን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ስድራቤቶም ድማ ንመግዝኢ መሰረታዊ ነገራት ዝኸውን ኩቦን ከም ዝኽልኡ ይሕብሩ።
ኣብ መጀመርታ ናይ’ዚ ዓመት፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ናብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ካብ ፖሊስ ናይ’ታ ሃገር፡ ደብዳቤ ተሰዲዱ ነይሩ። ብዝኾነ መንገዲ ንሰባት እዚ ከምዚ ዓይነት ገንዘብ ክኸፍሉ ምግባር ዘይሕጋዊ ከም ዝኾነ እታ ደብዳቤ ትገልጽ። “ሓደ ሰብ፡ ኣብ ገዝኡ ከሎ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምትእስሳር ብዘለዎም ሰባት ምስ ዝሽገር ከም ምስግዳድ ኢዩ ዝረአ” ይብል፡ ዊም ደ ብሩውን። ካልእ ኤርትራውያን ዜጋታት ነዚ ብኤምባሲ ዝሕተት ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደድሉ ኣገባብ ድማ፡ እንተ ዘይከፊሎም ናብ ኤርትራ ምምላስ ክኽልከሉ ከም ዝኾኑ፡ ወይ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለው በተ-ሰብ ብምፍሪራሕ ኢዩ። ከም ምሃብ ቪዛ ወይ ምስክር ወረቀት ልደት ዝኣመሰሉ በቲ ኤምባሲ ዝግበሩ ኣብያ ኣግልግሎት’ውን ምስግዳድ ከም ዝቑጸር ይሕበር።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ብፖሊስ ሆላንድ ናብ ኤርትራውያን ዝተላእከት ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ቶርጊምናዮ ኣለና፡፡
“ከም ትካላት ፖሊስን ፍትሕን፣ ኣብ ነዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ዝኸፍልዎ ክልተ ካብ ምእቲ (2%) ናይ ስደት ክፍሊት ቀረጽ ንምርምር። እዚ ናይ ስደት ክፍሊት ቀረጽ’ዚ ድማ፣ ኩሉ ሰብ ብድልየቱ ዝኸፍሎ ቀረጽ ከምዘይኮነ፣ ሓበሬታ ኣሎና። ስለዝኾነ ድማ፣ እዚ ሓበሬታ’ዚ ልክዕ ሙዃኑ ክነጻርዮ፣ ክንምርምሮ ንደሊ። እዚ ክፍሊት’ዚ፣ ኣብ ሆላንድ ብሕጊ ዝተኸልኸለ ኮይኑ፣ ብዝኾነ ይኹን ዓይነት መገዲ፣ ሰባት ነዚ ቀረጽ ንክኸፍሉ ክግደዱ የብሎምን። ምግዳድ ክበሃል ከሎ ድማ፣ ንኣብነት፦ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ርክብ ዘለዎም ሰባት፣ ናብ መንበሪ ገዛኹም እናመጹ ዘሽግሩኹም እንድሕር ኮይኖም፣ ካልእ ኣብነት ድማ፣ እዚ ናይ ስደት ቀረጽ እንድሕር ዘይከፊልኩም ናብ ኤርትራ ክትከዱ ኣይትኽእሉን ዝብል፣ ወይ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኣባላት ስድራ ምፍርራሕ ይኸውን። ከምኡ’ውን ኤምባሲ፡ ከም ቪዛ፣ ናይ ምስክር ወረቀት ልደት ምሃብ ዝኣምሰሉ ኣገልግሎት ምሃብ ምስ ዝኣብየኩም ይኸውን። በዚ ዘሎና ሓበሬታ፣ ማለት ናይ ስደት ቀረጽ፣ ብዘይ ድልየት ዝግበር ክፍሊት ንምጽራይ፣ ብዛዕባ’ዚ ክነግሩና ምስ ዝኽእሉ፣ ኤርትራውያን ክንዘራረብ ንደሊ። ስለዚ ድማ፣ ንዓኹም ከምኡ’ውን ካልኦት ኤርትርውያን፣ ምሳና ንክትዘራረቡ ንዕድም። እዚ ካባኹም ንሓቶ ዘሎና ሓገዝ፡ ብድልየትኩም ኢዩ፣ ንክትሕግዙና ኣይትግደዱን። ሓገዝኩም ግን ዓቢይ ዋጋ እንህቦ ነገር ኢዩ። ብድልየትኩም እትሕጉዙና፡ ብዛዕባ’ዚ መግለጺ እንተሂብኩምና ኢዩ። እዚ ሓገዝ ብስቱር እውን ክግበር ይከኣል። ምናልባት ካልኦት ከም’ዚ ዘጋጠሞም ሰባት ትፈልጡ እንድሕር ኴንኩም፣ ንሳቶም ድማ ዝነግሩና እንተኾይኖም፣ ካባኹም ክንሰምዕ ንደሊ። እዚ ዝምልከት ሕቶ እንድሕር ሃልዩኩም፣ ወይ እትገልጽዎ ነገር እንተሎ፣ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ርኸቡና።”
[email protected]
ምስ ሰላምታ
ዮሃን ኮክ
ኦፐራሽን ስፐሺሊስት
ድሕሪ እዚ ብሬድዮ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሚንስተሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረ መስቀል፡ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ ኤምባሲ ሃገረ ሆላንድ ጸዊዑ፡ እዚ ተደጋጋምን ዘይቅቡልን ስራሕ ናይ ሆላንድ ከም ዝተሓሳስቦ ዝገልጽ ተሪር መልእኸቲ ከመሓላልፈሉ ከም ዝኾነ ኣብ ትዊተር ሓቢሩ። ተውሳኺ ብቁዕን ተመጣጣኒን ዝውሰድ ስጉምቲ ኣብ ግዝይኡ ክሕበር ከም ዝኾነ’ውን ኣፍሊጡ። “እዚ ብ ወጻኢ ጉዳያት ሆላንድ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ንግጁለታት ጸቢብ ረብሓ ንምዕጋብ ዝተወሰደን ዘይቕቡልን’ዩ” ክብል’ውን ይኸሶ የማነ ገብረመስቀል።