ከም ትካላት ፖሊስን ፍትሕን፣ ኣብ ነዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ዝኸፍልዎ ክልተ ካብ ምእቲ (2%) ናይ ስደት ክፍሊት ቀረጽ ንምርምር። እዚ ናይ ስደት ክፍሊት ቀረጽ’ዚ ድማ፣ ኩሉ ሰብ ብድልየቱ ዝኸፍሎ ቀረጽ ከምዘይኮነ፣ ሓበሬታ ኣሎና። ስለዝኾነ ድማ፣ እዚ ሓበሬታ’ዚ ልክዕ ሙዃኑ ክነጻርዮ፣ ክንምርምሮ ንደሊ። እዚ ክፍሊት’ዚ፣ ኣብ ሆላንድ ብሕጊ ዝተኸልኸለ ኮይኑ፣ ብዝኾነ ይኹን ዓይነት መገዲ፣ ሰባት’ዚ ቀረጽ ንክኸፍሉ ክግደዱ የብሎምን። ምግዳድ ክበሃል ከሎ ድማ፣ ንኣብነት፦ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ርክብ ዘለዎም ሰባት፣ ናብ መንበሪ ገዛኹም እናመጹ ዘሽግሩኹም እንድሕር ኮይኖም፣ ካልእ ኣብነት ድማ፣ እዚ ናይ ስደት ቀረጽ እንድሕር ዘይከፊልኩም ናብ ኤርትራ ክትከዱ ኣይትኽእሉን ዝብል፣ ወይ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኣባላት ስድራ ምፍርራሕ ይኾውን። ከም’ኡ ድማ ኤምባሲ፡ ከም ቪዛ፣ ናይ ምስክር ወረቀት ልደት ምሃብ ዝኣምሰሉ ኣገልግሎት ምሃብ ምስ ዝኣብየኩም ይኾውን። በቲ ዘሎና ሕበሬታ፣ ማለት ናይ ስደት ቀረጽ፣ ብዘይ ድልየት ዝግበር ክፍሊት ንምጽራይ፣ ብዛዕባ’ዚ ክነግሩና ምስ ዝኽእሉ፣ ኤርትራውያን ክንዘራረብ ንደሊ። ስለዚ ድማ፣ ንዓኹም ከምኡ’ውን ካልኦት ኤርትርውያን፣ ምሳና ንክትዘራረቡ ንዕድም። እዚ ካባኹም ንሓቶ ዘሎና ሓገዝ፡ ብድልየትኩም ኢዩ፣ ንክትሕግዙና ኣይትግደዱን። ሓገዝኩም ግን ዓቢይ ዋጋ እንህቦ ነገር ኢዩ። ብድልየትኩም እትሕጉዙና፡ ብዛዕባ’ዚ መግለጺ እንተሂብኩምና ኢዩ። እዚ ሓገዝ ብስቱር እውን ክግበር ይከኣል። ምናልባት ካልኦት ከም’ዚ ዘጋጠሞም ስባት ትፈልጡ እንድሕር ኾይንኩም፣ ንሳቶም ድማ ዝነግሩና እንተኾይኖም፣ ካባኹም ክንሰምዕ ንደሊ። እዚ ዝምልከት ሕቶ እንድሕር ሃልዩኩም፣ ወይ እትገልጽዎ ነገር እንተሎ፣ ብዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ኢሜል ኣድራሻ ርኸቡና።
[email protected]
ምስ ሰላምታ
ዮሃን ኮክ
ኦፐራሽን ስፐሺሊስት