ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይት ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ወኪል እምባሲ ኤርትራ ስጉምቲ ወሲዱ። ብመሰረት ምንጭታት ሰቲት ካብ’ታ ሃገር፡ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሆላንድ፡ ስተፍ ብሎክ፡ ነቲ ቐንዲ ተግባርን ኣካያድን ናይ’ቲ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ድለባ ዝኾነ ሰራሕተኛ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሄግ ዝኾነ ሰለሙን መሓሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ስርሑ ደው ከብል ኣዚዙ ኣሎ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ነቲ ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ብ ሰሉስ 27 ጥቅምቲ 2020 ጸዊዕዎ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ሬዲዮ ኣርጎስ (Argos) ኣብ ናይ ቀዳም ፈነወኣ ከምዝጸብጸበቶ፡ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ፥ ብምስመስ መኸተ ኣንጻር ኮሮና፥ ዘይሕጋውን ከም’ኡ ‘ውን ብኣስገዳድ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ካብ 100 ዩሮ ንላዕሊ ከዋጽእ ከምዝሕተቱ ከምዝገበረን ይፍለጥ። ከም ዝዝከር፡ ኣብ 2018 መንግስቲ ሆላንድ ንላዕለዋይ ተጸዋዒ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ዝንበረ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ወፍሪ ድለባ ገንዘበን 2% ቀረጽን ከምዘባረሮ ይፍለጥ።
ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር: ሚኒስተር ዜና ስርዓት ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ሃገረ ሆላን ጠቒሱ: ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ፡ “እቲ ተደጋጋምን ዘይቅቡሉን ተግባራት ናይ መንግሰቲ ሆላንድ ከም ዘተሓሳስቦ ዝገልጽ ተሪር መልእኽቲ ከመሓላልፍ ከም ዝኾነን ተወሳኺ ቅቡልን ተመጣጣንን ስጉምቲ ኣብ ግዚኡ ክወስድ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ”።